ጉዳይ ትግራይ ብዘላቕነትን ህዝቢ ብዝረብሕ መንገድን መዕለቢ ክረክብ ዝኽእል ብዘተን ሰላማዊ መንገድን ጥራሕ እዩ-ዶ/ር ኣብረሃም
ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ላዕለዋይ ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግናን ሚኒስትር ምክልኻል ሃገርን ዶክተር ኣብረሃም በላይ ኩሉ ትግራዋይ ክጭብጦ ዝግበእ ቁም-ነገር፣ ሐዝውን እንተኾነ ጉዳይ ትግራይ ብዘላቕነትን ህዝቢ ብዝረብሕ መንገድን መዕለቢ ክረክብ ዝኽእል፣ ብዘተን ሰላማዊ መንገድን ጥራሕ እዩ ክብሉ ገሊፆም።
እቶም ሚኒስትር ኣብ ፌስ ቡክ ሒሳቦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ብወገነይ ከም ሓደ ትግራዋይ፣ ብፍላይ ድማ ፊደል ከምዝቆፀረ ውልቀ-ሰብ፣ ህዝበይ ሰላም፣ ልምዓትን ዕብየትን ክረክብ ክሓስብን ብዕቱብ ክሰርሕን ፍቓድ ዝኾነ ይኹን ኣካል አየድልየኒን ኢሎም።
ብዛዕባ ህዝበይ፣ ብፍላይ ድማ ተስፋ ዓዱን መራሒ ህዝቡን ክኸውን ዝኽእል መንእሰይ ወለዶ፣ ንዝተወሰኑ ኪሳራ ፖለቲካ ዘጓነፎም፣ ዕድሚኦም ዝወድኡ ውልቀ-ሰባት መንበረ-ስልጣን ንምንዋሕ ናብ ተኸታታሊ ኹናት እናሳወሩ ከርግፍዎ ካብ ምርኣይ ንላዕሊ ዘደንፁን ዘሕምምን ጉዳይ የለን ክብሉ ድማ ገሊፆም።
መሉእ ትሕዝቶ እቲ መልእኽቲ ከምዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ።
ኩሉ ትግራዋይ ክጭብጦ ዝግበእ ቁም-ነገር፣ ሐዝውን እንተኾነ ጉዳይ ትግራይ ብዘላቕነትን ህዝቢ ብዝረብሕ መንገድን መዕለቢ ክረክብ ዝኽእል፣ ብዘተን ሰላማዊ መንገድን ጥራሕ እዩ!!
ብወገነይ ከም ሓደ ትግራዋይ፣ ብፍላይ ድማ ፊደል ከምዝቆፀረ ውልቀ-ሰብ፣ ህዝበይ ሰላም፣ ልምዓትን ዕብየትን ክረክብ ክሓስብን ብዕቱብ ክሰርሕን ፍቓድ ዝኾነ ይኹን ኣካል አየድልየኒን፡፡ ብዛዕባ ህዝበይ፣ ብፍላይ ድማ ተስፋ ዓዱን መራሒ ህዝቡን ክኸውን ዝኽእል መንእሰይ ወለዶ፣ ንዝተወሰኑ ኪሳራ ፖለቲካ ዘጓነፎም፣ ዕድሚኦም ዝወድኡ ውልቀ-ሰባት መንበረ-ስልጣን ንምንዋሕ ናብ ተኸታታሊ ኹናት እናሳወሩ ከርግፍዎ ካብ ምርኣይ ንላዕሊ ዘደንፁን ዘሕምምን ጉዳይ የለን፡፡
ትግራዋይን ብዛዕባ ትግራይ ትግደስን ኩሉኻ፣ እቲ ንሳቶም ዝብልዎን ዝህቡኻን ስሑት ኣጀንዳ ገዲፍካ፣ ዋኒንካ ህዝቢ ይኹን፡፡ ኣስዒብካ ድማ፣ በይንኹም ምውሳን ይኾኖኩም፤ መንእሰይና ንልምዓትን ህንፀትን ዓዲ ንደልዮ ኢና፤ ውፅኢት ኣብ ዘይብሉ ኹናት ኣትዩ ክረግፍን ኣካሉ ክጎድልን ኣይንፈቅድን ዝብል ተሪር ቅዋም ክህልወካ ይግባእ።
ካብ መንገዲ ሰላም ወፃእ ዝህሉ ዝኾነ-ይኹን ዓይነት መማረፂ፣ ዝተረፈና ሂወት፣ ኣካልን ንዋትን ዘስእነና፣ ካብ ሕሉፍ ኹናት ብዝገደደ ናብ ክሳራ ዘውድቐና እዩ። መማረፂ ኹናት፣ ህዝብና ክረኽቦም ዝግበኦም ግልጋሎታት መንግስቲ ብፍጥነት መልሲ ከይረኽቡ፣ ተጀሚሮም ዝነበሩ ሰብኣዊ ሓገዛት ብዘይዓንቀፍቀፍን ብቕልጡፍን ከይባፅሑ ካብ ምግባር ሓሊፉ ፀገም ህዝብና ኣብ ዝሓፀረ ግዜ ፍታሕ ከይረክብ ዝገብር እዩ።
ብዘይ ኹናትን ተወሳኺ መስዋእትነትን ኣፈላላያትካ ብእሂን-ምሂንን ምይይጥን፤ ብምዕቡል መንገዲ ኣፈላላያትካ ኣብ ክሊ ጠረጴዛ ምፍታሕ እናተኽኣለ፣ ብምንታይ መለክዒ ሰብ ዝበልዕን ስቃይ ህዝቢ ዘናውሕን መማረፂ ወሲድካ ትኸይድ?
እስቲ ኩላትና ተጋሩን ዋኒን ትግራይ ይግድሰና እንብልን፣ እዘን ዝስዕባ ሕቶታት መልሲ ንሃበለን፡፡
➢ ካብ ድልየትን ሃንቀውታን ህዝቢ ትግራይ ወፃእ፣ ሕወሓት ንምንታይ መንገዲ ኹናት መሪፆም? “ጭጉራፍስያ ባዕላ ወቒዓ ባዕላ ተእዊ” ዓይነት ንምንታይ ከ ባዕሎም መጥቃዕቲ ኸፊቶም ተጠቒዕና ዝብል ዝተለምደ መደናገሪ ምኽንያቶም ኣቕሪቦም?
➢ መንግስቲ ፌደራል ኹናት ኣይጠቅምን፤ ከምዘይጠቅም እውን ደጋጊምና ብተግባር ርኢናዮ ኢና፤ ሰላማዊ መንገዲ ይሓይሽ ኣብዝበለሉ እዋን ሕወሓት ነዚ ነፂጎም ኹናት ንምንታይ መሪፆም?
➢ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይዓንቀፍቀፍ ክኣቱ፣ ንተበፃሕነቱ ዘድሊ እኹል ነዳዲ ትግራይ ክኣቱ ኣብዝተገበረሉ፤ መንግስቲ ንሰላምን ዘተን ብዘይ ቅድመ-ኹነት ድልውነቱ ኣብዘረጋገፀሉ፤ ግልጋሎት መንግስቲ ንምጅማር ንዛተ ኣብ ዝተብሃለሉ እዋን፣ ሕወሓት ኣየነዋይ ሕቶ ህዝቢ ንምምላስ እዩ ኹናት ከፊቱ ዘሎ? ዝብሉ ሕቶታት ምርኣይ አድላዪ እዩ፡፡
ካብዚ እንርድኦ፣ ጉጅለ ሕወሓት ብዛዕባ ህዝቢ ደንታ ዘይብሉ፣ ሕትኡ ብዛዕባ ህዝቢ ዘይኮነስ÷ ንውልቃውን ጉጅላዊን ረብሓታትን ድልየታትን ጥራሕ ዝሓስብን፣ ብኡ ልክዕ ዝንቀሳቐስን ብሂወት መናእሰይ ትግራይ ዕድሚኡ ንምንዋሕ ላዕልን ታሕትን ዝብል ፀረ-ህዝቢ ዝኾነ ሓይሊ ምኻኑ እዩ፡፡
ስለዝኾነ እውን ኩላህና ተጋሩን ፈተውቲ ትግራይን፣ እዚ ተሪር ሓቂ እዚ ተረዲእና፣ ሕወሓት ጀሚርዎ ዘሎ ኹናት ብህፁፅ ደው ኣቢሉ ናብ ልዝብ ክመፅእ ፅዕንቶ ክንገብር ፃውዒተይ የቅርብ።
ብፍላይ ድማ ምሁራት፣ ኣብ ወፃኢ ትነብሩ፣ ዓበይቲ ዓዲ፣ መራሕቲ ሃይማኖትን ብዝተፈላለየ መንገዲ ህዝቢ ትግራይ ሰላም ክረክብን ናብ ንቡር ናብርኡ ክምለስን እትንቀሳቀሱ ትግራዎት መዝሙርኩም፣ መዝሙር ሰላም ክኸውንን ኹናት ደው ኢሉ ብመንግስቲ ዝቀረበ ፃውዒት ሰላምን ልዝብን ዕውት ክኸውን እትኽእልዎ ኹሉ ፀቅቲ ክትገብሩ ደጊመ ፃውዒተይ የቅርብ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።