Fana: At a Speed of Life!

ጉዳይ ቀረፅ ናብ ውሽጢ ዓዲ ዝኣትዋ ተሽከርከርቲ ኤሌክትሪክ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ወፃኢ ዓዲ ሙሉእ ንሙሉእ ተገጣጢመን ናብ ውሽጢ ዓዲ ዝኣትዋ ተሽከርከርቲ ኤሌክትሪክ 15 ሚኢታዊ ቀረፅ ጉምሩክ ዝቑረፀለን ዝነበረ 5 ሚኢታዊ ንክኸውን ከምዝተወሰነ ሚኒስቴር ገንዘብ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ መምርሒ ፖሊሲ ታክስ እቲ ሚኒስቴር ኣይተ ሙላይ ወልዱ ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፥ ፅዕንቶ ክሌማዊ ለውጢ ንምቕናስ ኢሉእውነ ንምክልኻል ኢትዮጵያ ተሽከርከርቲ ኤሌክትሪክ ተተባብዕ ኣላ ኢሎም።

ብፍላይ መንግስቲ ተሽከርከርቲ ኤሌክትሪክ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝገጣጥሙ ኣካላት የተባብዕ ከምዘሎ ብምሕባር፥ ንኣብነት ሙሉእ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ተበታቲነን ናብ ውሽጢ ዓዲ ብምእታው ዝገጣጠማ ካብ ጉምሩክ ነፃ ቀረፅ ከምዝኾና ኣረዲኦም።

ኣብ ወፃኢ ዓዲ ሙሉእ ንሙሉእ ተገጣጢመን ናብ ውሽጢ ዓዲ ዝኣትዋ ተሽከርከርቲ ኤሌክትሪክ 15 ሚኢታዊ ቀረፅ ጉምሩክ ዝቑረፀለን ዝነበረ 5 ሚኢታዊ ንክኸውን ከምዝተወሰነን ናብ ተግባር ከምዝተኣተወን እውን ኣብሪሆም።

ነተን ተሽከርከርቲ ዘገልግሉ ቻርጀራትን ተመሳሰልቲን ካብ ጉምሩክ ቀረፅ ነፃ ንክኾኑ ከምዝተገበረ ገሊፆም።

ብዮሐንስ ደርበው

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.