Fana: At a Speed of Life!

ጉዳይ ሕጋዊ ሰውነት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ(ህወሓት) ጠሚቱ ካብ ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ዝተውሃበ መግለፂ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ጉዳይ ሕጋዊ ሰውነት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ(ህወሓት) ጠሚቱ መግለፂ ሂቡ።

እቲ ቦርድ ዝሃቦ ሙሉእ መግለፂ ከምዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ።

ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ(ህወሓት)19 ሓምለ 2016 ዓ.ም ብቑፅሪ 3944/644 ብዝተፅሓፈ ደብዳበ ሕጋዊ ሰውነት እቲ ፓርቲ ናብ ዝነበሮ ንክምለስ ሕቶ ኣቕሪቡ ኢዩ። እቲ ቦርድ ዝቐረበሉ ሕቶ ኣዋጅ ቁፅሪ 1162/2011 ምዝገባ ፓርቲታት ፖለቲካን ስነ ምግባር ምርጫን ኢትዮጵያን፣ ነዚ ኣዋጅ ምስ ዘመሓየሾ ኣዋጅ ቁፅሪ 1332/2016 መንፅር መርሚሩ ዝስዕብ ውሳነ ሂቡ ኣሎ።

  1. እቲ ፓርቲ ዘቕረቦ ሕጋዊ ሰውነት ናብ ዝነበሮ ናይ ምምላስ ሕቶ ብዝምልከት እቲ ሕቶ ቅድመ ሐዚ 13 ሚያዚያ 2015 ዓ.ምን 28 ሚያዚያ 2015 ዓ.ም ናብቲ ቦርድ ቀሪቡ እቲ ቦርድ እውን ነቲ ሕቶ መርሚሩ ብመሰረት ቁፅሪ ኣዋጅ 1162/2011 ነባር ህልውና እቲ ፓርቲ ምምላስ ዘኽእል ናይ ሕጊ ድንጋገ የለን ብምባል 4 ግንቦት 2015 ዓ.ም ወሲኑ ኢዩ። እቲ ውሳነ እውን ኣብ እዋኑ ኣፍሊጡ ኢዩ። ብኻሊእ መዳይ ቁጅሪ ኣዋጅ 1162/2011 ዘመሓየሾ ኣዋጅ ቁፅሪ 1332/2016 ኣብ ተግባር ዓመፅ ተዋፊሩ ንዝተሰረዘ ፓርቲ ነባር ህልውና መሊሱ ዝህብ ናይ ሕጊ ድንጋገ ዘይሓዘ ብምዃኑ እቲ ቦርድ ዳግም ዝቐረበሉ ሕጋዊ ሰውነት ናብ ዝነበሮ ንክምለስ ዝብል ሕቶ ኣይተቐበሎን።
  2. ብቁፅሪ ኣዋጅ 1162/2011 መመሓየሺ ኣዋጅ ቁፅሪ 1332/2016 ዓንቀፅ 2 (1) ሓደ ናይ ፖለቲካ ጉጅለ ሓይሊ መሰረት ዝገበረ ናይ ዓመፅ ተግባር ዝተሳተፈ እንተኾይኑን እዚ ተግባር ደው ምባሉን ሕገ መንግስታዊ ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ኣኽቢሩ ንምንቅስቓስ ምስምዕምዑ ዝምልከት ናይ መንግስቲ ኣካል እንተተረጋጊፁ ብፍሉይ ኩነታት ከም ፓርቲ ፖለቲካ ክምዝገብ ከምዝኽእል ተደንጊጉ ኢዩ። ብመሰረት እዚ ሚኒስቴር ፍትሒ ብ መመሓየሺ ቁፅሪ ኣዋጅ 1332/2016 ዓንቀፅ 2 (1) መሰረት 17 ሰነ 2016 ብቑፅሪ ፍሚ1/1345 ናብ ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ዝተፅሓፈ ደብዳበ ህ.ወ.ሓ.ት ሓይሊ መሰረት ዝገበረ ናይ ዓመፅ ተግባሩ ደው ብምባል ሕገ መንግስታዊ ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ኣኽቢሩ ንምንቅስቓስ ዝተስማዕመዐ ምዃኑ ብምሕባር ብመሰረት መመሓየሺ ኣዋጅ ምርጫ፣ ምዝገባ ፓርቲታት ፖለቲካን ስነ ምግባር ምርጫን ኢትዮጵያ ቁፅሪ 1332/2016 ዓንቀፅ 2(1) ብፍሉይ ኩነታት ከም ፓርቲ ፖለቲካ ንክምዝገብ መረጋገፂ ነቲ ቦርድ ሂቡ ኢዩ። ብተወሳኺ ህ.ወ.ሓ.ት ምስ ዘቕረቦ ማመልከቻ ኣብቲ ዝተመሓየሸ ኣዋጅ ቁፅሪ 1332/2016 ዓንቀፅ 2 (2) ዝተዘርዘሩ ፕሮግራም፣ መተሓዳደሪ ደንቢ፣ ስምን ክታምን ሓለፍቲ ፓርቲታት ፖለቲካ ዝሓዘ ሰነድ ኣቕሪቡ ኢዩ። ብምዃኑ ሚኒስቴር ፍትሒ ዝሃቦ መረጋገፂን ህ.ወ.ሓ.ት ዘቕረቦቦም ልዕል ክብል ዝተገለፁ ሰነዳትን መሰረት ብምግባር ህ.ወ.ሓ.ት ብፍሉይ ኩነታት ከም ፓርቲ ፖለቲካ ንክምዝገብ እቲ ቦርድ ወሲኑ። ዝህቦ ናይ ሕጋዊ ሰውነት መረጋገፂ ብኣዋጅ ቁፅሪ 1332/2016 ብመሰረት ዝተደንገገ ብፍሉይ ኩነታት ዝብል ቃል ብምዃን ንክሰናዳእ እቲ ቦርድ ወሲኑ።
  3. እቲ ቦርድ ብቁፅሪ ኣዋጅ 1332/2016 ዓንቀፅ ሰለስተ መሰረት ብፍሉይ ኩነታት ናይ ምምዝጋብ ውሳነ ዝሓዘ ደብዳበ ነቲ ፓርቲ ካብ ዝበፅሖ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዘለዉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ውሽጢ እቲ ፓርቲ ተዓዘብቲ እቲ ቦርድ ኣብ ዝተረኸብሉ ሓፈሻዊ ጉባኤ ንክገብር፤ ኣብቲ ጉባኤ መተሓዳደሪ ደንቡ ንከፅድቕ፣ ኣመራርሕኡ ንክመርፅ እቲ ቦርድ ወሲኑ። ቅድመ ምድላው እቲ ጉባኤ ዝምልከቱ ስራሕቲ እቲ ቦርድ ምክትታል ንክኽእል እቲ ፓርቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ቅድሚ ምግባሩ 21 መዓልታት ኣቐዲሙ ሓፈሻዊ ጉባኤ ዝገብረሉ ዕለት ነቲ ቦርድ ከፍልጥ ኣለዎ።
  4. ሓፈሻዊ ጉባኤ በቲ ቦርድ ድሕሪ ምፅዳቑ ኣብ ዘለዉ ሓደ ዓመትን ሽዱሽተ ኣዋርሕን ውሽጢ ሰለማዊ ምንቅስቓስ ይገብር ምህላዉን ዘይምህላዉን ብቁፅሪ ኣዋጅ 1332/2016 ዓንቀፅ 3 መሰረት ክትትል ዝገብር ከምዝኾነ እቲ ቦርድ ወሲኑ።
  5. ኣብ መወዳእታ እቲ ቦርድ ዝሃቦ ውሳነ ዝገልፅ ክልተ ገፅ 3 ነሓሰ 2016 ዓ.ም ብቑፅሪ አ1162/11/15180 ዝተፅሓፈ ደብዳበን ብፍሉይ ኩነታት ከም ፓርቲ ፖለቲካ ብዛዕባ ምምዝጋቡ ዝተውሃቦ ናይ ሕጋዊ ሰውነት መረጋገፂ ሰርተፊኬትን ንህ.ወ.ሓ.ት ንክበፅሖ ተገይሩ ኢዩ።

ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ

ኣዲስ ኣበባ

3 ነሓሰ 2016 ዓ.ም

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.