Fana: At a Speed of Life!

ጉዕዞ ለውጢን ልምዓትን ኢትዮጵያ ብእኩይ ዕላማ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣይተዓናቐፍን

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ነሐሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉዕዞ ለውጢን ልምዓትን ኢትዮጵያ ብእኩይ ዕላማ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ከምዘይተዓናቐፍ ዳይሬክተር ኢንዶክትሪኔሽን ሓይሊ ኣየር ኮሎኔል ተሾመ በዳዳ ገሊፆም።

ኣብ ኣዋሽ ኣርባ ትምህርቲ ቴክኒክ ውግእ ንዝስልጥኑ ምልምል ወታደራት፥ ኣባላት ጉጅለ ኪነ-ጥበብ ሓይሊ ኣየር ዝተፈላለዩ ምድላዋት ኣቕሪቦም።

ኣብቲ መድረኽ ንግግር ዝገበሩ ዳይሬክተር ኢንዶክትሪኔሽን ሓይሊ ኣየር ኮሎኔል ተሾመ በዳዳ፥ ጉዕዞ ለውጢን ልምዓትን ኢትዮጵያ ብእኩይ ዕላማ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣይተዓናቐፍን ኢሎም።

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ንኢትዮጵያ ንምፍራስ ምስ ሓይሊታት ውሽጢን ወፃኢን ብምስላፍ ዝተፈላለዩ ምንቅስቓስ ጥፍኣት እናገበረ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ይኹ እምበር ዕላማ እቲ ጉጅለ ብምትሕብባር ጅግና ሰራዊት ምክልኻል ፈተውቲ ሃገር ዜጋታትን እናፈሸለ ከምዝኾነ ገሊፆም።

“ኢትዮጵያ ብዝኾነ ይኹን ሓይሊ ጥፍኣት ዘይትፈርስ ዓባይ ሃገር ምዃና ብሓበራዊ ቅልፅምና ክነረጋግፅ ኢና” ኢሎም።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ዝተረኸቡ ዋና ኣዛዚ ቤት ትምህርቲ ቴክኒክ ውግእ ኣዋሽ ኣርባ ብርጋዴር ጄነራል ተመስገን ኣቦሴ፥ ንወፍሪ ህልውና ሃገር ኩሉ፣ መዓዝም፣ ኣብ ዝኾነ ይኹን ብምዝማት ውዕለታ ሃገር እናርአየ ይርከብ ኢሎም።

እቲ ጉጅለ ኪነ-ጥበብ ሞራልን ስነ-ልቦናን እቲ ሰራዊት ንምንቕቓሕ ብምርካቡ ኣመስጊኖም።

ንግብረ ራዕዲ ህወሓት ብምድምሳስ ሉኣላዊነት ኢትዮጵያ ንምሕላው ኩልና ድሉዋት ኢና ክብሉ ብምግላፅ፥ እኩይ ዕላማ እቲ ግብረ ራዕዲ ብምፍሻል ልምዓት ከምዘቕፅሉ ምርግጋፆም ንግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.