Fana: At a Speed of Life!

ጉባኤ ፓርቲ ብልፅግና ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ይመርፅ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉባኤ ፓርቲ ብልፅግና ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ እናመረፀ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ቀዳማይ ጉባዔኡ እናካየደ ዝርከብ ፓርቲ ብልፅግና ሎሚ መዓልቲ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ውዕልኡ፥ ፖለቲካዊ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ፀገማት ኢትዮጵያ ንምፍታሕ ዝኽእሉ ኣባላት ማኣኸላይ ኮሚቴ እናመረፀ ከምዝርከብ እቲ ፓርቲ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ዘፈር ርክብ ህዝቢን ዓለም ለኸን ፓርቲ ብልፅግና ዶክተር ቢቂላ ሁሪሳ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ 225 ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ከምዝምረፁ ኣብሪሆም።

ምጥቋ ሕፁያት ዴሞክራሲያዊን መካተቲን ብዝኾነ መልክዑ እናተሳለጠ ከምዝርከብ እውን ተዛሪቦም።

ሕፁያት ካብ ውሽጢ ዝጥቆሙሎም መለክዒታት፤ ብኢትዮጵያውነትን ሓድነት ኢትዮጵያን ዘይደራደር፣ ህብረ ብሄራዊ ሓድነት ኢትዮጵያውያን ዘጉልህ፣ ብዝሃነት ዝቕበል፣ ኢትዮጵያ ዘጋጠማ ኩለመዳይ ኢኮኖሚያዊን ፖለቲካዊን ፀገማት ንምፍታሕ ፍልጠቱ፣ ቆራፅነቱን ስነ ኣእምሮን ዘለዎ፣ ስርቂ ዝቃለስ ከምኡ እውን ፅንፈኝነትን ኣኽራርነትን ዝቃወም ዝብሉ ይርከቡዎም።

ጉባኤ እቲ ፓርቲ ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ምስ መረፀ፥ ዝተመረፁ ኣባላት ድማ ኣባላት ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ክመርፁ ኢዮም።

ኣባላት ኢንስፔክሽንን ኮሚሽን ስነ-ምግባርን ከምዝምረፁ እውን ተገሊፁ።

ብኣልኣዛር ታደለ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.