ጉባኤ እቲ ሕብረት ንከተማና ድምቀትን ምንቕቓሕ ኢኮኖሚን ፈጢሩ ኢዩ – ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ
ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ንከተማና ድምቀትን ምንቕቓሕ ኢኮኖሚን ፈጢሩ ኢዩ ክብላ ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን፡፡
መበል 38 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ብድምቀት እናተኻየደ ፀኒሑ ትማሊ ምሸት ተዛዚሙ፡፡
ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ እቲ ጉባኤ ኣመልኪተን ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፀን÷ “ጉባኤ እቲ ሕብረት ንከተማና ድምቀትን ምንቕቓሕ ኢኮኖሚ ፈጢሩ ኢዩ” ኢለን፡፡
ካብዚ ብተወሳኺ መስሕባት ቱሪዝምን ፅቡቕ ምስሊ እታ ከተማን ከምኡ እውን ጨዋነትን ጋሻ ተቐባላይነትን ነበርታ ኣብ ምፍላጥ ልዑል ግደ ከምዝተፃወተ ገሊፀን።
ከንቲባ ኣዳነች ነበርቲ እታ ከተማ ንዘርአዩዎ ልዑል ምኽባርን ኣቀባብላን ኣጋይሽ ምስጋና ኣቕሪቦም፡፡