ጉባኤ ብሪክስ ንኢትዮጵያ ሓዊሱ ሓደሽቲ ኣባል ሃገራት ብምቕባል ምፅዳቑ ንሃገርና ታሪኻዊ እዋን ኢዩ- ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉባኤ ብሪክስ ንኢትዮጵያ ሓዊሱ ሓደሽቲ ኣባል ሃገራት ብምቕባል ምፅዳቑ ንሃገርና ታሪኻዊ እዋን ኢዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ኢትዮጵያ ኣባል ብሪክስ ምዃና እወንታዊ ኣጋጣሚ ኢዩ ኢሎም።
ኢትዮጵያ ንኹሉ ዘካተተን ምዕባለ ዝነገሰሉን ዓለም ለኸ ሰርዓት ንምፍጣር ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ናይ ባዕላ ኣስተዋፅኦ ንምብርካት ድልውቲ ኢያ ክብሉ ኣረጋጊፆም።
መራሕቲ ሃገራት ኣባል ጉጅለ ብሪክስ ኣብ ከተማ ጆሃንስበርግ ደቡብ ኣፍሪካ ተራኺቦም ኣብ ዝገብርዎ ዘለዉ ጉባኤ ኢዩ እተን ሓደሽቲ ኣባል ሃገራት ናብ ብሪክስ ክሕወሳ ወሲኖም።
ኣባል ሃገራት ብሪክስ፥ ብራዚል፣ ሩስያ፣ ህንዲ፣ ቻይናን ደቡብ ኣፍሪካን ምዃነን ይፍለጥ።
ቀንዲ መዛተይ ርእሰ ጉዳዮም ድማ ሕቶ ሓደሽቲ ኣባል ሃገራት መርሚርካ ንምውሳን’ዩ።
ነቲ ኣኼባ እተአንግድ ዘላ ደቡብ ኣፍሪካ፥ ልዕሊ 40 ሃገራት ኣባል ናይቲ ኪዳን ክኾና ሕቶ ከምዘቕረባ ኣፍሊጣ።
ብመሰረት እዚ ኢትዮጵያ ሓዊሱ፥ ኣርጀንቲና፣ ግብፅ፣ ኢራን፣ ስዑዲ ዓረብን ኢሚሬትስ ሕቡራት ዓረብን ብኣባልነት ተቐቢሉ።