Fana: At a Speed of Life!

ጉባኤ ሰላም ኣብ መቐለ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሲቪክ ማሕበራት ንሰላምን ዕርቅን ዘለዎም ግደ ንምዕባይ ዝዓለመ ጉባኤ ሰላም ኣብ መቐለ ይሳለጥ ኣሎ።

ፕሮጀክት ምጉልባት ዓቕሚ ሲቪል ማሕበረ ሰብ ንሰላም፥ ብድጋፍ ሕብረት ኣውሮፖ፣ ብመተሓባበርነት ኢንስቲትዩት ላይፍ ኤንድ ፒስ፣ ኢንስቲትዩት ሰላም ኢትዮጵያን ኢንተር ኣፍሪካ ግሩፕን ዝካየድ ዘሎ እዩ ተባሂሉ።

እቲ ጉባኤ “ሰላም ንዅሉ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝሳለጥ ዘሎ እነትኸወን፥ ሲቪክ ማሕበራት ውሑስ ሰላምን ዕርቂን ኣብ ምህናፅ ዝህልወን ግደ ንምዕባይ ዝዓለመ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ሓላፊ ፕሮግራም ኢንስቲትዩት ላይፍ ኤንድ ፒስ ኣይተ ይበልጣል ኣሰፋ፥ እቲ ንሲቪል ማሕበረ ሰብ ዝግበር ዓቕሚ ምፍጣር ብስልጠና፣ ብገንዘብን ብልውውጥ ልምዲን ከም ዝኾነ ሓቢሮም።

ኣብቲ ጉባኤ ሰላም ተወከልቲ መንግስቲ ፌደራል፣ ተወከልቲ ጥምረት ሲቪክ ማሕበራት ትግራይን ካልኦት ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘለዉ ሲቪክ ማሕበራትን ይሳተፉ ኣለዉ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.