Fana: At a Speed of Life!

ጉባኤ ማእኸል ምምሕዳር ዞባዊ ሰራሕተኛታት ኣፍሪካ ሚኒስትራት ኣባል ሃገራት ኣብ ዝተረኸቡሉ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ለካቲት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 49 ጉባኤ ማእኸል ምምሕዳር ዞባዊ ሰራሕተኛታት ኣፍሪካ ሚኒስትራት ኣባል ሃገራት ኣብ ዝተረኸቡሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዕሊ ተኸፊቱ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ መደረ ዘስምዑ ሚኒስትር ዲኤታ ስራሕን ክእለትን ኣሰግድ ጌታቸው÷ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምሕደራ ሰራሕተኛታት ሃገራዊ ሽቶታት ልምዓት ንምዕዋት መሰረት ከምዝኾኑ ከምዝግንዘብ ገሊፆም፡፡

እቲ ማእኸል ኣፍሪካውያን ሓበራዊ ዝኾኑ ፀገማት ምሕደራ ሰራሕተኛታት ንኽፈትሑ ዓብዪ ግደ ከምዘለዎ እውን ኣብሪሆም፡፡

ኢትዮጵያ ኣባል ሃገር እቲ ማእኸል ምዃና ተረባሒት ኢያ ዝበሉ እቶም ሚኒስትር ዲኤታ÷ “መንግስቲ እቶም ሽቶታ ልምዓት ንምዕዋት ማሕበራዊ ሓለዋ ወሳኒ ቅድመ ኩነት ከምዝኾነ የኣምን” ኢሎም፡፡

ኢትዮጵያ መበል 49 ጉባኤ ማእኸል ምምሕዳር ዞባዊ ሰራሕተኛታት ኣፍሪካ ክተተኣናግድ ምኽኣላ ሕጉስ ከምዝኾኑ ምግላፆም ካብቲ ሚኒቴር ዝረኸብናዮ ሓሬታ የረድእ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.