Fana: At a Speed of Life!

ጉባኤ ሚኒስትራት ፋይናንስ፣ ልምዓት ኢኮኖሚን ፕላንን ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መበል 57 ኣህጉራዊ ጉባኤ ሚኒስትራት ፋይናንስ፣ ልምዓት ኢኮኖሚን ፕላንን ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ።
ኣብቲ ጉባኤ፥ ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሰ፣ ኣቦ ወንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍ፣ ዋና ፅሓፊ ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካ ክላቨር ጋቴቴ፣ ዋና ፅሓፊ ኣህጉራዊ ነፃ ቀጣና ንግዲ ኣፍሪካ ዋምኬሌ ሜኔ፣ ሚኒስትራት ፣ ሓለፍቲ ኣህጉራዊን ዓለም ለኻዊን ትካላት ተረኺቦም፡፡
እቲ ጉባኤ፥ “ ትግበራ ስምምዕነት ነፃ ቀጣና ንግዲ ኣፍሪካ ዘሳልጡ ስትራቴጂካዊ ኣንፈታት ምሕንፃፅ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኢዩ ዝሳለጥ ዘሎ።
ብተወሳኺ ከይዲ ኣፈፃፅማን ቀፃሊ ትግበራን ትግበራ ስምምዕነት ነፃ ቀጣና ንግዲ ኣፍሪካ ዝጠመተ ዘተ ብምግባር ኣንፈታት ምቕማጥ ቀንዲ ኣጀንዳ እቲ ጉባኤ ከምዝኾነ ተገሊፁ።
እቲ ጉባኤ ብብርኪ ሰብሞያ ካብ 3 ክሳብ 5 መጋቢት 2017 ዓ.ም ንሰለስተ መዓልቲ ምስላጡ ይፍለጥ፡፡
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.