Fana: At a Speed of Life!

ጉባኤ መራሕቲ ኣፍሪካ – ኣሜሪካ ኣብ ዋሺንግተን ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ዝሳተፉሉ ጉባኤ መራሕቲ ኣፍሪካ -ኣሜሪካ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ዋሺንግተን ክካየድ ኢዩ።

እቲ ጉባኤ ኣፍሪካን ኣሜሪካን ዘለወን ክልተኣዊ ንግዲን ኢንቨስትመንትን ምጥንኻር ኣብ ዝኽእላሉ ጉዳይ ትኹረት ገይሩ ክዝቲ ኢዩ፡፡

ሎሚ መዓልቲ ኣብ ቢዝነስ ትኹረት ገይሩ ኣበ ዝዝቲ ፎረም ካብ 300 ዝበልፁ ዋና ፈፀምቲ ስራሕ ኩባኒያታት ኣሜሪካን ኣፍሪካን ኣመራርሓታት ውልቀ ዘፈር ከምዝሳተፉ ብሄራዊ ሓበሬታ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣመልኪቱ፡፡

እቲ ፎረም መዋለ-ንዋይ ብምፍሳስ ዘፈር ጥዕና፣ ፣ሰረተ ልምዓት፣ ቀረብ ሓይሊ፣ ሕርሻን ሕርሻ ተኮር ንግዲን ከምኡ እውን ዲጂታል ዘፈር ንምብርትታዕ ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያት ከምዝዝቲ ተሓሩ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.