Fana: At a Speed of Life!

ጉባኤ መራሕቲ መናእሰይ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ 19 ክሳብ 22 ጥቅምቲ ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ኩለን ሃገራት ኣፍሪካ ዝመፅኡ መራሕቲ መናእሰይ ኣፍሪካ ዝሳተፍሉ ጉባኤ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ 19 ክሳብ 22 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም ክካየድ ኢዩ።

ብቐዳማይ ሚኒስትር ፍልፍል ሓሳብ ንፈለማ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ዝሳለጥ እቲ  ጉባኤ፥ ሓሳብ ፓን ኣፍሪካኒዝም ነምምዕባል ዘኽእል ከምዝኾነ ኣተሓባበርቲ እቲ ጉባኤ ተዛሪቦም።

ሕብረት ሕውነት መናእሰይ ኣፍሪካ ዘጠናኽርን ኣብ መንጎኦም ልዑል ምትእስሳር ንክህሉ ዝገብርን ኢዩ ተባሂሉ።

እቶም ተሳተፍቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምእታው ዝጀመሩ እንትኾኑ፥ ብዙሓት ነበር መራሕቲ ኣፍሪካ አወን ተሳተፍቲ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

እቲ መድረኽ ብምትሕብባር ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢን ዝተዳለወ ምዃኑ ካብ ፓርቲ ብልፅግና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

 

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.