Fana: At a Speed of Life!

ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ብዘይዝኾነ ፀገም ፀፅታ ንኽዛዘም ዘተኣማምን ምድላው ተገይሩ – ፖሊስ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ለካቲት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ብዘይዝኾነ ፀገም ፀፅታ ንኽዛዘም ዘተኣማምን ምድላው ተገይሩ ናብ ስራሕ ከምዝተኣተወ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ምክትል ኮማንደር ማርቆስ ታደሰ ከምዝገለፁዎ÷ ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ብሰላም ንኽኽበር ምስ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ትልሚ ብምሕንፃፅ ኣድላዪ ምድላው ተገይሩ፡፡

ብመሰረት እዚ ኣካላት ፀፅታ ብኸመይ ኣጋይሽ ክዕጅቡን ሓለዋ ክገብሩን ከምኽእሉ ኣብ ዝምልከት ኣድላዪ ተጋባራዊ ልምምድ ምግባሮም ኣልዒሎም፡፡

እቲ ጉባኤ ክሳብ ዝዛዘም ሰላምን ድሕንትን ኣጋይሽ ንምሕላው ብኩለመዳይ ዘተኣማምን ምድላው ተገይሩ ናብ ስራሕ ከምዘተኣተወ ተዛሪቦም፡፡

ብፍላይ ኣጋይሽ ኣብ ዝተፈላዩ ከባቢታት ኣብ ዝንቀሳቐሱሉ እዋን መገዲታት እንትዕፀዉ ስለዝኽእሉ ተሸከርከርቲን እግረኛታትን ብትዕግስቲ ንኽፅበዩ ኣገንዚቦም፡፡

“ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ምስሊ ኢትዮጵያ ዘጉልህ ኢዩ“ ዝበሉ እቶም ምክትል ኮማንደር÷ ነበርቲ እታ ከተማ እቲ ጉባኤ ብሰላም ንኽዛዘም ግደኦም ንኽዋፅኡ ሓቲቶም፡፡

ብመላኩ ገድፍ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.