Fana: At a Speed of Life!

“ገ እናበሉኻ ዶ ትጋገ! ይብሉ ወለዲ”፤ እምቢታ ሰላም፣ ራህዋን ቅሳነትን መሰረት ውድቀት እዩ-ዶ/ር ኣብርሃም

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)”ገ እናበሉኻ ዶ ትጋገ! ይብሉ ወለዲ”፤ እምቢታ ሰላም፣ ራህዋን ቅሳነትን መሰረት ውድቀት እዩ ክብሉ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ኣብረሃም በላይ ገሊፆም።

እቶም ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ኣብ ማሕበረታዊ ሚዲያ ፌስ ቡክ ገፆም ዘመሓላለፍዎ ሙሉእ ትሕዝቶ እቲ መልእኽቲ ከምዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ።

ንሕና ተጋሩ ንኹሎም መዋልድናን ጎራብትናን ፀላእትን ሰብ ቂምን ገይሩ ምስ ሙሉእ ዓዲ ዝቃራሐንን ደም ዝቃባእን፣ ዓቕሊን ናይ ሰላም ፃውዒትን ፍርሒ ዝመስሎ፣ ካብ ታሪኽ ትማሊን ቅድሚ ትማሊን ዘይመሃር ሓይሊ ግብረ-ራዕዲ ሓቑፍና፣ ንህዝብና ሰላም፣ ራህዋን ዕረፍትን ክንረክብ ከምዘይከኣል ግሁድ ሓቂ እዩ፡፡

ሰላምን ቅሳነትን እነስፍን ንሕና ባዕልትና ብዝተወደበ መንገዲ “ወጊድ-ጭቆና ጉጅለ ጥፍኣት… ይኣክል ኹናትን ባርነትን” እንትንብል ጥራሕ እዩ፡፡ “ዝሓበራያ ኣፃብዕትስ ኣርቃይ የፀምባዓ” እዩ እሞ ንህልውና ደሕንነትን ነፃነትን ህዝብና ብሓባር ደው እንብለሉ እዋን ሐዚ እዩ።

እዞም ዝሰኸሩን ልቦና ዝሰአኑን መራሕቲ ጉጅለ ግብረ-ራዕዲ ሕወሓት ኣብ ኋኋኻ ሓቂፍካ ፣ ህዝብና ሰላም ክረክብ ምሕሳብን ምትስፋውን “ካብ ሃመማ መዓር”! ምፅባይ ይቐልል፡፡

እዚ ሓይሊ፣ “ኣነ እንተሞይተ ዳንዴር ኣይትቡቆል” ዝዓይነቱ ብሂል፣ ባዕሉን ሰዓብቱን ጥራሕ ኣይጎድኡ እምበር፣ ንህልውንኡ ክብል ዘሊሎም ዘይፀገቡ ህፃናትን መናእሰይን ትግራይ ባህልን ታሪኽን ህዝቢ ትግራይ ብዘይገልፅ፣ ከምኡ እውን ሕግን ስርዓትን ሃገርናን ዓለምለኸን ብዝፃባእ “ብእፀ-ፋሪስ” ኣደንዚዙን ኣገዲዱን ናብ ሓዊ እንተሳውሮምን ከምቆፅሊ እንትረግፉን ዘይስወኖ ፀረ-ህዝቢ ም�ኻኑ ብዕሊ ደጋጊሙ ኣረጋጊፁ እዩ፡፡

ሐዚ እውን እንተኾነ ብሰንኪ ውልቃዊ ረብሓኦም ዝፈጠሮ ጥፍኣቶምን ክሕደቶምን ዝጠፍአ ሂወትን ዝበረሰ ሃፍትን ከይኣኽለና፣ ብሰናይ ተግባርን ድልየት ሰላም ሐደ ስጉምቲ ንቕድሚት ክኸደሉ ዝኽእል ዝነበረ፣ ንሰላምን ራህዋን ህዝቢ ትግራይ ልዑል ተስፋ ዝሃበ ደውታ ተኹሲ ንጎድኒ ገዲፎም፣ ከይውዓለ ከይሓደረ ተስፋ ሰላም ህዝብና አፀልሚቶም ፈሓጢሮም ናብ ኹናት ዳግም ክንኣቱ የገድዱና ኣለዉ፡፡ ተስፋ ብልፅግቲ ትግራይን ወለድኹምን ዝኾንኩም መናእሰይን ዕሸላትን፣ ንመንበር ስልጣን ውሑዳት ክበሃል ብስምዒትን መሰረተ-ቢስ ፕሮፖጋንዳን እንዳዓሸወ ክቡር ሂወትኩም ብከንቱ ክጠፍእ ዝዳጉኖኩም ዘሎ ጉጅለ ሓይሊ ጥፍኣት ም�ዃኑ ክትፈልጡ ይግባእ፡፡ ነዚ ዝመርሑ ዘለዉ ኣካላት ድማ፣ እንትርፊ ስቓይ፣ መከራን ሽርሕን ከፋፊልካ ምግዛእን፤ ኣጀንዳ ሰላም፣ ሓድነት፣ ራህዋ፣ ቅሳነትን ልምዓትን ዘይትስፈዉን ዘይደልዩን እካብ ኣርዮሳውያን እዮም፡፡

እዚ ድማ መንግስቲ ፌደራል ኣዋጅ ደው ምባል ቶኽሲ እንተቕርብ፣ ኣብ ክንዲ ህዝብና ብቐፃልነት ናብ ጥምየትን ጉስቁልናን ከይኣቱ ናብ ማሕረስ ክምለስን ሰብኣዊ ሓገዛት ብስፍሓት ክባፅሑ ብምግባር ዝተረፉ ሕቶታት ድማ መንግስቲ ፌደራል ብዝጀመሮ ኣገባብ ብሕግን ስርዓትን ብሰላማዊ መንገዲን ንምፍታሕ ምንቅስቓስ፤ ዋሕታ ሰላምን ቅሳነትን ብምዕፃው ናብ ሆይሆይታ፣ ጃህራን ከበሮ ኹናትን ዝለወጡ፣ መንገዲ መህደሚኡ ንምኽፋት ምስኪን ዕሸላትን ተስፋ ዓዶምን ዝኾኑ ትግራዎት ዝዳጉን፣ ንውልቃዊ ረብሓኡ እምበር ብዛዕባ ህዝቢ ትግራይ ክንዲ ፍረ-ጣፍ ዋኒን ህዝባዊነት ዘይብሎም ፀረ-ህዝቢ ትግራይ ም�ኖም ደጋጊሞም ኣረጋጊፆም ኣለዉ፤ እዙይ ክፍኣቶም ንመብዛሕትኡ ትግራዋይ እውን ከምወጋሕታ እናተቐልዐሉ ይመፅእ ከምዘሎ እሙን እዩ፡፡

አቱም ኣብ ክንዲ ሰላም፣ ሓድነትን ርጋዕታን፤ ኹናት ኣሕዋትኩምን ኣሓትኩምን ክረግፉ ብሶሻል ሚድያ ጦርነት ትሰብኩ ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚድያ፣ ንህዝብኹምን ሰብኣዊ ሕልናኹምን ክትብሉ ርግእ ኢልኩም ደጋጊምኩም ሕሰቡ፡፡ ዋኒን ህዝቢ ትግራይ ሰላም፣ ቅሳነትን ልምዓትን ሓድነትን እምበር፤ ዋኒን ዓዲ ምፍራስ ኮይኑ ኣይፈልጥን፤ ኣይኸውንን እውን፡፡

እዞም ብሱስ እፀ-ፋሪስ ዝሰኸሩ ሓይልታት ጥፍኣት ግን ቀንዲ ዋኒኖም ሃገር ምፍራስ ምኻ�ኑ ኣፎም መሊኦም ይዛረቡ ኣለዉ ፤ ምስ ዓዲ ምፍራስ ኣጀንዳ ገይሮም ዝንቀሳቀሱ ኣካላት ክሳብ ሐዚ ብሕቡእ ዝነበሮም ምሕዝነት ሰይጣናዊ ተልእኾን ሐዚ ብግልፂ ሓቢሮም ዓዲ ንምብታን ከምዝሰርሑ ኣዊጆም ኣለዉ፡፡ ምስ ናይ ዓዲ ውሽጢ ፀረ ህዝቢ ዝኾኑ ግብረ-ራዕዲ ሓይልታት ጥራሕ ዘይኮነስ ምስ ናይ ሃገርና ዕብየትን ልምዓትን ስግኣት ኮይኑዎም ጉዕዞና ከተዓናቕፉ ለይትን ቀትርን ዝሰርሑ ዘለዉ ሓይልታት ወፃኢ እውን ሓቢሮም እናሰርሑ ሙኻኖም መረጋገፂ እዩ።

ነዚ እውን ኢና እዞም ኣባላት ጉጅለ ራዕዲ ኣጀንዳ ናይ ውልቆምን ጉጅለኦምን እንበር ኣጀንዳ ህዝቢ ዝበሃል የብሎምን እንብሎም ዘለና፡፡

ንሕና ተጋሩ ሕቶታት እንተሃለዉና እውን ህዝብና መሰረት ገይርና ብሕግን ብስርዓትን ብሰላማዊ መንገድን ንምፍታሕ ምንቅስቃስ እንበር ብኹናትን ጉልበትን ዝምለስ ሕቶ ዘላቂ ሰላም ህዝብታትና ከረጋግፅ ከምዘይኽእል ፈሊጥና፣ ብሕጋውን ሰላማዊን መንገዲ ጥራሕ መልሲ ክርከብ ልዝብን ምይይጥን ክነቐድም ፃውዒተይ እናቕረብኩ፤ “ተመላላእ ዕዳጋ…” ከምዝበሃል፣ እዚ ሓይሊ ጥፍኣት ካብዚ ንላዕሊ ንህዝብና ለኪሙ ከይጠፍእ ኣብ ጎኒ ሓይሊ ምክልኻል መንግስቲ ፌደራል ብምኻን ኣብ ዝካየዱ ኩለመዳያዊ ምንቅስቓሳት እጃምና ነወፊ እብል፡፡

ሃገርና ብደለይቲ ሰላም ደቃ ክትክበር እያ፤ ምስ ሃገር ሙሉእ ዝተባእሰ ግብረ-ራዕዲ ምስ ኩሎም ልኣኽቱ ክዋረዱን ክሰዓሩን እዩም።

ፈጣሪ ሃገርናን ህዝብናን ይባርኽ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.