Fana: At a Speed of Life!

ገናሕቲ ብስክሌት ሞተር ካብ ገናሕቲኦም ወፃእ ካልኦት ተሳፈርቲ ንኸይፅዕኑ ተኣጊዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቢሮ ትራንስፖርት ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተሽከርከርቲ ብስክሌት ሞተር ብዘይ እቶም ገናሕቲ ብስክሌት ካልኦት ተሳፈርቲ ከይፅዕኑ እገዳ ገይሩ፡፡

እቲ ቢሮ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብምክንያት ብስክሌት ዝበፅሑ ሓደጋታት ትራፊክን ዘይሕጋዊ ስራሕቲን ንምክልኻል ዘኽእል መምርሒ ፍቓድ ብስክሌት ሞተር ብምውፃእ ናብ ስራሕ ከምዝኣተዉ ይዝከር፡፡

ኣብዚ ሐዚ እዋን ዳያስፖራ ኢትዮጵያውያን፣ ትውልዲ ኢትዮጵያውያያንን ከምኡ እውን ፈተውቲ ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ንክኣትዉ ኣብ ዝተገበረ ፃውዒት ስዒቡ ብዙሓት ኣባላት ዲያስፖራ ናብ ሃገሮም እናኣተዉ ይርከቡ፡፡

እዙይ ከምዚ እንከሎ እዋን በዓላት ስለዝኾነ ብዙሓት ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ምንቅስቓስ እናተገበረ እንትኸውን÷ ስለዝኾነ ድማ ኣብታ ከተማ ምልክታት ምጭንናቕ ትራፊክን ስርቂ እናተረኣዩ እዮም፡፡

ስለዝኾነ ድማ ካብ ዕለት 22 ታሕሳስ 2014 ዓ.ም ጀሚሩ ንዘይተወሰነ እዋን ገናሕቲ ብስክሌት ሞተር ካብቶም ገናሕቲ ሞተር ወፃእ ንካልኦት ሰባት ግልጋሎት ፅዕነት ንኸይህቡን ስጉምቲ ንክግበርን እቲ ቢሮ ንዝምልከቶ ኣካል መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ እዩ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.