Fana: At a Speed of Life!

ገቢሳ ኤጀታ (ፕ/ር) ብሉፅ ተመራማሪ ልምዓት ዝራእቲ እዚ መት ተባሂሎም ተመሪፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፍሉጥ ዩኒቨርሲቲ ኣሜሪካ ፑርዱ ትውልደ ኢትዮጵያዊ ገቢሳ ኤጀታን (ፕ/ር) ኣብ ዝወገኑዎ ስራሕቲ ምርምር ሕርሻ ተመራማሪ ልምዓት ዝራእቲ እዚ ዓመት ብምግባር መሪፁዎም፡፡

ገቢሳ ኤጀታ (ፕ/ር) ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ብዘካየዱዎ ምርምር “ሃይብሪድ” ዝኾኑ ዝራእቲ ምሸላ ክፈጥሩ ዝኸኣሉ ውሩይ ምሁር እንትኾኑ÷ በዚ ድማ ንወገን ጠቓሚ ተግባራቶም ኣብቲ ዓውዲ ብብርኪ ዓለም ኣፍልጦ ተለጊሱዎም፡፡

ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት 17 ዓበይቲ ሽልማታት ዝተጎናፀፉ እቶም ፕሮፌሰር÷ ኣብ ቀረባ እዋን “ኦርደር ኦፍ ግሪፊንን ብሄራዊ ሜዳሊያ ሳይንስን” ተሸሊሞም ኢዮም፡፡

ሕዚ ድማ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ፑርዱ ብሉፅ ተመራማሪ ልምዓት ዝራእቲ እዚ ዓመት ተባሂሎም ተሓርዮም፡፡

ካብ ስራሕቲ ምርምር ብተወሳኺ ንልዕሊ 70 ሃገር ለኸን ዓለም ለኸን ትካላት ብምምኻር ልዕሊ 200 ውፅኢታት ምርምር ምሕትመት ኣብቂዖም፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.