ገበን ግብረ ራዕዲ ዝፈፀሙ ውልቀሰባት ክሳብ 23 ዓመት ብዝበፅሕ ፅኑዕ ማእሰርቲ ተቐፂዖም
ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምዕራብ ሃረርጌን ከባቢኡን ገበን ግብረ ራዕዲ ዝፈፀሙ ውልቀሰባት ካብ 1 ዓመትን 6 ኣዋርሕን ክሳብ 23 ዓመት ብዝበፅሕ ፅኑዕ ማእሰርቲ ተፈሪዱዎም።
ኣብ ለዕሊ እቶም ውልቀ ሰባት ውሳነ ዝተውሃበ ኣብቲ ዝተገለፀ ከባቢ ገበን አንትፍፅሙ ሓይሊታት ፀፅታ ብመሰረት ዘካየድዎ ኦፕሬሽን ኣብ ቁፅፅር ምውዓሎም ስዒቡ ከምዝኾነ ፖሊስ ኣፍሊጡ።
ላዕለዋይ መምርሒ ምርመራ ገበን ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ እቲ መጥቃዕቲ ግብረ ራዕዲ ኣብ ልዕሊ ዝፈፀሙ ወልቀሰባት መረዳእታ ሰነደን ሰብን ምቕራቡ ስዒቡ ዓቃቢ ሕጊ ኣብ ልዕሊ እቶም ውልቀ ሰባት ክሲ መስሪቱ ከምዝነበረ ተገሊፁ።
ነቲ ጉዳይ ዝረኣየ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ምድብ ድሬዳዋ ታሕሳስ 2017 ዓ.ም ኣብ ዝወዓለ መጋባእያ ነቶም ገበነኛታት የምህር ኢዩ ንኻልኦት እውን የጠንቅ ዝበሎ ካብ 1 ዓመትን 6 ኣዋርሕን ክሳብ 23 ዓመት ብዝበፅሕ ፅኑዕ ማእሰርቲ ንክቕፅዑ ምውሳኑ ኣብ ፖሊስ ፌዴራል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።