Fana: At a Speed of Life!

ገበን ግብረ ራዕዲ ኣብ ልዕሊ ዝፈፀሙ 81 ውልቀ ሰባት ካብ 20 ክሳብ 10 ዓመት ዝበፅሕ ፅኑዕ ማእሰርቲ ተቐፂዖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምዕራብ ሃረርጌን ከባቢኡን ገበን ግብረ ራዕዲ ኣብ ልዕሊ ዝፈፀሙ 81 ራዕዳውያን ካብ 20 ክሳብ 10 ዓመት ፅኑዕ ማእሰርቲ ውሳነ ፍርዲ ተመሓላሊፉዎም።

ኣብቲ ክልል ዞባ ምዕራብ ሃረርጌን ከባቢኡን ሰላምን ድሕንነትን ህዝቢ ኣብ ምህዋኽ፣ ንፁሃን ብምቕታል፣ ብጦር መሳርሒታት ዝተሓገዘ ዘረፋን ዕግታን ገበን እናፈፀሙ ብሓይሊታት ፀፅታ ብዝተኻየደ ኦፕሬሽን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ እቲ ተግባር ብናይ ሰብን ሰነድን መረዳእታ ብዝግባእ ብምፅራይ ዓቃቢ ሕጊ ክሲ ከምዝመስረተ ተሓቢሩ፡፡

እቲ ጉዳይ ዝተመልከተ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌደራል ምድብ መጋባእያ ድሬዳዋ ድማ ተኸሰስቲ የምህር ኢዩ ንካልኦት እውን የጠንቅቕ ኢዩ ብምባል ካብ 20 ክሳብ 10 ዓመት ፅኑዕ ማእስርቲ ውሳነ ከምዘመሓላለፈ ሓበሬታ ፖሊስ ፌደራል የመላኽት፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.