Fana: At a Speed of Life!

ገምጋም ኣፈፃፅማ ትልሚ በጀት 9 ኣዋርሕ ቤት ዕዮ ሚኒስትራት ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ገምጋም ኣፈፃፅማ ትልሚ በጀት 9 ኣዋርሕ ቤት ዕዮ ሚኒስትራት ፌዴራል ኣብ ዝተመረፁ ጉዳያት ይካየድ ኣሎ።

ኣብ ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ሚኒስትር ዲኤታ ዘዘፈር ገምጋምን ክትትልን ወ/ሮ ጥሩማር ኣባተ ኣብ ዝመርሐኦ እቲ ገምጋም ኣፈፃፅማ በጀት፥ ዝተፈላለዩ ሚኒስቴር ቤት ዕዮታት ገምጋም ኣፈፃፅማ ቀሪቡ፡፡

ሚኒስቴር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ኣብ ዘቕረቦ ገምጋም ኣፈጻፅማ 9 ወርሒ፥ ፍርያት ኢትዮጵያ ኣብ ዕዳጋ ዓለም ክፋለጡ ምግባር፣ ከይዲ ብርኪ ስምምዓት ኣባልነት ትካል ንግዲ ዓለም ዝምልከት ከምኡ እውን ቀረብ ዝርገሐ መሰረታዊ ጠለባትን ዝርገሐ ኣብ ዝምልከት ዘለዉ ካልኦት ጉዳያትን ተላዒሎም፡፡

ኣብቲ ሚኒስቴር ቤት ዕዮ ዘፈር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ንምዝማንን ዝተቀላጠፈ ኣገልግሎት ንህዝቢ ተበፃሒ ምግባር፣ ብፅሒት ምጉዕዓዝ ብዙሃን ትራንስፖርትን ብ68 ሚኢታዊ ምዕባዩ ጥንኩር ኣፈፃፅማ እቲ ሚኒስቴር ከምዝኾኑ ተሓቢሩ፡፡

ብኣንፃሩ ድማ ሕፅረት ሸርፊ ወፃኢን ፀገም ፀፅታን ነቲ ሚኒስቴር ቤት ዕዮ ፈተና ኮይኑ ምሕላፉ ተሓቢሩ፡፡

የኢትዮጵያ ኢንቨስትመንት ኮሚሽን በበኩሉ ፥ በ9 ወር የበጀት አፈጻጸም ግምገማው የውጭ ቀጥታ ኢንቨስትመንት ፍሰት በ2013 የእቅድ ዘመን ከነበረበት 3 ነጥብ 97 ቢሊየን የአሜሪካ ዶላር በመነሳት በ2014 በጀት ዓመት 5 ነጥብ 13 ቢሊየን ወይም 23 በመቶ እድገት ማሳየቱን ገልጿል

ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ብግድኡ፥ ኣብ ኣፈፃፅማ 9 ወርሒ ኣፈፃፅምኡ ፍሰት ቀጥታ ኢንቨስትመንት ትልሚ ዘበን 2013 ካብ ዝነበሮ 3 ነጥቢ 997 ቢሊየን ዶላር ኣሜሪካ ብምብጋስ ኣብ በጀት 2014 ዓ.ም 5 ነጥቢ 13 ቢሊየን ወይ እውን 23 ሚኢታዊ ዕቤት ከምዘርአየ ገሊፁ፡፡

ሓዱሽ ፍቓድ ኢንቨስትመንት ብመሃብን ዕድል ስራሕ ብዝምልከት ኣብቲ ሚኒስቴር ቤት ዕዮ ዝተርኣዩ ፀገማት ከምዝኾ ካብ ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.