Fana: At a Speed of Life!

ገምጋም ኣፈፃፅማ ትልሚ ማክሮ ኢኮኖሚ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት 2015 ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 6 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ገምጋም ኣፈፃፅማ  ቀንዲ ቀንዲ ዓውዲታት ማክሮ ኢኮኖሚን ትልሚን ቀዳማይ ርብዒ ዓመት 2015 ዓ.ም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዝተረኸቡሉ ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብቲ ግምገማ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ሓዊሱ ሚኒስትራት እናተሳተፉ ከምዝኾኑ ካብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒትር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ገምጋም ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ዶክተር ፍጹም አሰፋ÷ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ኣቕሪበን።

ኣብ በጀት ቀዳማይ ርብዒ ዓመት ፍሰት ሸርፊፃኢ ብ14 ሚኢታዊ ከምዝወሰኸ ኣብቲ ዘቕረበኦ ፀብፃብ ገሊፀን።

ካብ ወፃኢ ንግዲ ካብ ዝተረኸበ 976 ሚሊየን ዶላር፤ እቲ 426 ሚሊየን ዶላር ካብ ሕርሻ ዝተረኸቡ ፍርያታት ዝተረኸበ ከምዝኾነ ኣብሪሀን።

ኣፈፃፅማ ዓውዲታት ማኑፋክቸሪንግን መዓድንን ምስ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን እንትነፃፀር ንኡሽተይ ከምዝነከየ ብምሕባር፤ ወፃኢ ንግዲ ፍርያት ዕምበባ ድማ ልዑል ምምሕያሽ ካብ ዝተርኣየሎም ፍርያታት ዝፅራሕ ከምዝኾ ገሊፀን።

የኮንትሮባንድና ህገ ወጥ ንግድ የዘርፉ ማነቆዎች መሆናቸውን ጠቅሰው በቀጣይ ችግሩን ለማሻሻል እንደሚሰራ ተናግረዋል

ኮንትሮባንድን ዘይሕጋዊ ንግዲን ማሕለኻታት እቲ ዓውዲ ከምዝኾኑ ዝሓበራ እተን ሚኒስትር÷ እቲ ፀገም ንምቅላል ከምዝስራሕ ተዛሪበን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.