Fana: At a Speed of Life!

ገመድ ስልኪ ከዚኖም ዝተረኸቡ ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 05 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ንብረት ኢትዮ-ቴሌኮም ዝኾኑ ናይ ስልኪ ገመዳት ብምስራቕ ከዚኖም ዝተረኸቡ ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ምውዓሎም ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

ካብ ትሕቲ መሬት ተዃዒቶም ዝወፅኡ ገመዳት ስልኪ ከዚኖም ዝተረኸቡ ክልተ ተጠርጠርቲ፥ ኣብ ክፍለ ከተማ ኣዲስ መርካቶ ጋዝ ተራ ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ከባቢ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ገሊፁ።

ብተመሳሳሊ፥ ኣብ መርካቶ ኢትዮጵያ ዳቦ ቤት ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ከባቢ ሓደ ተጠርጣሪ ካብ ትሕቲ መሬት ዝተቐበሩ ንብረት ኢትዮ ቴሌኮም ዝኾኑ ገመዳት ስልኪ ኲዒቱ ብምውፃእ ንምውሳድ እንትፍትን ኣብትሕቲ ቁፅፅር ክውዕል ከምዝኸኣለ መምርሒ ፖሊስ እቲ ክፍለ ከተማ ኣፍሊጡ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብልዕሊ እቲ ገበን ዝፈፀሙ ተጠርጠርቲ ምርመራ እናተገበረ ምዃኑ ተገሊፁ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.