Fana: At a Speed of Life!

ገህድብ ህዳሰ ብዝምልከት ብሚዲያታት ግብፂ ዝንዛሕ ናይ ሕሶት ሓበሬታ ማይ ኣባይ ንብሕቲ ናይ ምጥቃም ዓርሰ ፍትወት ኢዩ – መሓመድ ኣልኣሩሲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ገህድብ ህዳሰ ብዝምልከት ብሚዲያታት ግብፂ ዝንዛሕ ናይ ሕሶት ሓበሬታ ማይ ኣባይ ንብሕቲ ናይ ምጥቃም ዓርሰ ፍትወት ኢዩ ክብሉ ኣብ ዓለም ለኸ መድረኽ ብምክታዕ ዝፍለጡ ኣባል ባይቶ ወከልቲ ኣማኻሪ ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን መሓመድ ኣልኣሩሲ ገሊፆም።

ኣብዚ ሰሙን ምንቅጥቃጥ መሬት ኣጋጢሙ ብዝብል መበገሲ ሚዲያታት ግብፂ እቲ ግድብ ሓደጋ ከጋጥሞ ኢዩ ብዝብል ናይ ሕሶት ሓበሬታ ኣብ ምንዛሕ ከምዝርከባ ብምግላፅ፤ እቲ ግድብ ኣብ ተፋሰስ ሃገራት ዝኾነ ይኹን ጉድኣት ከምዘየብፅሕ ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ኣብቲ ጉዳይ ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ፃንሒት ዝገበሩ መሓመድ ኣልኣሩሲ፤ ኣብ ዙሪያ ግድብ ህዳሰ ሕጋዊን ቴክኒካዊ ጉጅለ ከምኡ እውን ላዕለዎት መራሕቲ ሚኒስትራት ማይን ጉዳያት ወፃኢን ዝተሳተፉሎም ዘተታት ከምዘተካየዱ ኣዘኻኺሮም።

ኣብቲ ጉዳይ ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ፃንሒት ዝገበሩ መሓመድ ኣልኣሩሲ፤ ኣብ ዙሪያ ግድብ ህዳሰ ሕጋዊን ቴክኒካዊ ጉጅለ ከምኡ እውን ላዕለዎት መራሕቲ ሚኒስትራት ማይን ጉዳያት ወፃኢን ዝተሳተፉሎም ዘተታት ከምዘተካየዱ ኣዘኻኺሮም።

“ኣብዚ ሕዚ እዋን ምንቅጥቃጥ መሬት ኣጋጢሙ ብዝብል ብሚዲያታት ግብፂ ዝውዛዕ ናይ ሕሶት ሓበሬታ፤ መበገሲኡ ናይ ቀደም ናይ ባዕዳዊ መግዛእቲ ውዕሊ ተፈፃሚ ነኽኸውን ምድላይን ማይ ኣባይ ንብሕቲ ናይ ምጥቃም ዓርሰ ፍትወትን ኢዩ” ኢሎም፡፡

ኢትዮጵያ ኣብ ኩሎም መድረኻት ሓቢርካ ናይ ምጥቃም ቅዋም ከምዝሓዘት ብምሕባር፤ ግብፂ መከራኸሪ ገይራ ተቕርቦ ሩባ ኣባይ ላዕለወይቲ ኮይና ናይ ምቁፅፃር “ውዕሊ ባዕዳዊ መግዛእቲ” ኢትዮጵያ ዘይትፈልጦ፣ ዘይትቕበሎ፣ ናብ ሓደ ወገን ጥራሕ ዘዘምበለ፣ ንእዋኑ ዘይምጥን ከምዝኾነ ኣገንዚቦም።

“መንግስቲ ግብፂ ልቢ ዜጋታቱ ንምግዛእ ዝጥቀመሉ ፕሮፓጋንዳ ብፍፁም ነዚ ዘበን ዘይምጥንን ተቐባልነት ዘይብሉን ኢዩ” ክብሉ ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.