ጆቨነል ሞይስ ብናይ ደገ ሓይልታት ከምዝተቐንፀሉ ፖሊስ ገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 2 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ሄይቲ ጆቨነል ሞይስ ዝበዝሑ ኣባላቱ ኮሎምብያውያን ወተሃደራት ብዝኾኑ ሓደ ጉጅለ ዕጡቕ ወፃኢከምዝተቐትሉ ፖሊስ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።
ጆቨነል ሞይስ ኣብ ፈለማ እዚ ሰሙን እዮም ኣብ መንበሪ ገዝኦም ተቐቲሎም።
እቲ ጉጅለ 26 ኮሎምብያውያንን ክልተ ናይ ሄይቲ መበቆል ዘለዎም ኣመሪካውያንን ከም ዝርከብዎ ኣዛዚ ፖሊስ ሊዮን ቻርለስ ንጋዜጠኛታት ሓቢሩ።
ካብቶም ጥርጡራት ክልተ ኣመሪካውያን ዝርከብዎ 17 ዕጡቓት ወተሃደራት ኣብ ቀይዲ ኣቲዮም ኣለው ተባሂሉ።
እቶም ዝተረፉ ጥርጡራት ኣብቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ፖርት-ኣው-ፕሪንስ ምስ ፖሊስ ዝነበረ ናይ ተዂሲ ምልውዋጥ ተቐቲሎም።
ረቡዕ ወጋሕታ ገለ ዕጡቓት ናብ ውልቃዊ መንበሪ ገዛ እቶም ፕሬዚዳንት ብምእታው ነቲ መጥቃዕቲ ክፍፅሙ እንከለው፥ በዓልቲ ቤት እቶም ፕሬዚዳንት ብኸቢድ ቆሲላ ንሕክምና ናብ ፍሎሪዳ ኣመሪካ ተወሲዳ።
ኣብኡ ኣብ ደሓን ኩነታት ከም ዘላ ይግለፅ።
ፍልፍል፦ቢቢሲ
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።