Fana: At a Speed of Life!

ጆሃን ሩፐርት ቁጽሪ ሓደ በዓል ሃፍቲ ኣፍሪካ ኮይኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ደቡብ ኣፈሪካዊ ጆሃን ሩፐርት መጠን ሃፍቶም ናብ 14 ነጥቢ 3 ቢሊየን ዶላር ኣሜሪካ ብምዕባይ ቀዳማይ ሃፍታም ኣፍሪካ ክኾኑ ከምዝኸኣሉ ተሓቢሩ።

ወናኒ ትካል መፍረዪ ክባራት ሰዓታት ሲ ፋይናንሺየር ሪችሞንት ዝኾኑ ወዲ 74 ዓመት ሩፐርት÷ መጠን ሃፍቶም ብምውሳኹ ኣብታ ኣህጉር ቀዳማይ ሃፍታም ክኾኑ ክኢሎም።

ጆሃን ሩፐርት ቅድሚ ሕዚ ቁፅሪ ሓደ ሃፍታም ኣፍሪካ ንዝነበሩ ናይጄሪያዊ ኣሊኮ ዳንጎቴ ብምብላፅ ኢዮም መሪሕነት ተረኪቦም ዘለዉ።

ኣብታ ኣህጉር ካልኣይ ሃፍታም ዝኾኑ ኣሊኮ ዳንጎቴ መጠን ሃፍቶም 13 ነጥቢ 4 ቢሊየን ዶላር ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ከም ፀብፃብ ብሉምበርግ እንተኾይኑ ካሊእ ደቡብ ኣፍሪካዊ በዓል ሃፍቲ ኒኪ ኦፕንሄመር ብ11 ነጥቢ 3 ቢሊየን ዶላር ሳልሳይ ሃፍታም ኣፍሪካ እንትኾኑ÷ ግብፃዊ ናስፍ ሳውሪስ ድማ ብ9 ነጥቢ 7 ቢሊየን ዶላር ራብዓይ ሃፍታም ኣህጉር ኣህጉር ኣፍሪካ ኮይኖም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.