Fana: At a Speed of Life!

ጅግና ሲኤን ኤን ፍረወይኒ መብራህቱ መቐለ እንትትኣቱ ድሙቕ ኣቀባብላ ክግበረላ እዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ጅግና ሲኤን ኤን ፍረወይኒ መብራህቱ ፅባሕ ሓሙስ 16 ታሕሳስ 2012 ዓ/ም ድሕሪ ቐትሪ መቐለ ክትኣቱ እያ።

ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ምስ ጥምረት ደቂ ኣንስትዮ ብምዃን ንፍረወይኒ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ ናይ ጅግና ኣቀባብላ ንምግባር ምድላዋታ ከምዝዛዘማ ኣፍሊጠን።

ብተወሳኺ ኣብ ሆቴል ፕላኔት “ናይ እንኳዕ ደስ በለኪ” መርሃ ግብሪ ተዳልዩ ከምዘሎ እታ ማሕበር ገሊፃ።

ወይዘሮ ፍረወይኒ፥ ተሓፃቢ መቐበሊ ወርሓዊ ፅግያት ብምምሃዝ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ዘለወን ተሳትፎ ክዓዝዝን ዓርሰ እምነት ተሰሚዑወን ብነፃነት ንኽመሃራን ብዘርአየቶ ልዑል ፃዕርን ተበግሶን ጅግና ሲኤን ኤን ዓመተ 2019 ብምዃን ከምዝተሸለመት ይዝከር።

ፍልፍል፦ጋዜጣ ወይን

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.