Fana: At a Speed of Life!

ጅቡቲ መስርሒ ቤት ትምህርቲ ኮሚዩኒቲ ኢትዮጵያ ዝኸውን ቦታ ኣረኪባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መንግስቲ ጅቡቲ ኣብታ ሃገር ንዝህነፅ ቤት ትምህርቲ ኮሚዩኒቲ ኢትዮጵያ ምስርሒ ዝኸውን ኣርባዕተ ሄክታር መሬት ብህያብ ኣበርኪቱ።

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ጅቡቲ ብርሃኑ ፀጋዬ፥ እቲ ህያብ መሬት ፅቡቕ ምሕዝነት ኢትዮጵያን ጅቡቲን ዘርኢ ከምዝኾነ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ ገሊፆም።

እቲ መስርሒ ቦታ ፈለማ ቅድመ ስሩዕ ቤት ትምህርቲ ንምህናፅ ከይዲ ስራሕቲ ምትእኽኻብ እቶትን ምስ ትካል ኮንስትራክሽን ምዝርራብን ከምዝተጀመረ ኣመልኪቶም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.