Fana: At a Speed of Life!

ጄኔራል ኣበባው ታደሰ ናብራ ሰራዊት ንምምሕያሽ ጠመተ ሂብካ ይስራሕ ከምዘሎ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ጄኔራል ኣበባው ታደሰ ናብራ ሰራዊት ብኹለ መዳይ ንምምሕያሽ ጠመተ ሂብካ ይስራሕ ከምዘሎ ገሊፆም።

ጄኔራል ኣበባው፥ ኣብ ምብራቕ ኢትዮጵያ ብምውፋር ሃገራዊ ግቡኡ ይፍፅም ንዘሎ ኮር ኣብ ዝተሰርሐ መንበሪ ኣባይቲ ዑደት ይሮም።

ኣብቲ ዑደት፥ ዋና መምርሒ መሃንዲስ ምክልኻል ሃገር ኣብ መላእ እዛ ሃገር ንሰራዊት ጊዚያዊ መፅለሊ ኣባይቲን ቀዋሚ መንበሪ ካምፒታትን ብምህናፅ ምቹው ኩነታት ይፈጥር ከምዘሎ ተዛሪቦም።

ኣብ ምህንድስና ኲናት ይኹን ኣብ ህንፀት ኣባይቲ፣ ኣብ መገዲን ምውፃእ ማይ ከርሰ ምድሪን ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ ዝነኣድ ኢዩ ኢሎም።

እቲ ተግባር ተጠናኺሩ ክቕፅል ኣለዎ ምባሎም ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ምክልኻል ሃገር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.