Fana: At a Speed of Life!

ጃፓን ኣብ ክልል ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝን መሊስካ ንምጥያሽን ኣብ ዝግበር ከይዲ ንምሕጋዝ ድልውቲ ኢያ – ኣምባሳደር ጃፓን ኣብ ኢትዮጵያ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ጃፓን ኣብ ክልል ትግራይ ምስ ዝተኻየደ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ስዒቡ ሰብኣዊ ሓገዝን መሊስካ ንምጥያሽን ኣብ ዝግበር ከይዲ ንምሕጋዝ ድልውቲ ከምዝኾነት ኣምባሳደር ጃፓን ኣብ ኢትዮጵያ ኢቶ ታካኮን ተዛሪበን።

ሚኒስትር ሰላም ወይዘሮ ካሚል ምስ ኣምባሳደር ጃፓን ኣብ ኢትዮጵያ ኢቶ ታካኮ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ኣድሂበን ተዛቲየን፡፡

እተን ሚኒስትር ኣብቲ እዋን ዘተ፥ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተኻየደ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ኣመልኪተን ነተን ኣምባሳደር ገለፃ ገይረናለን፡፡

ኣብቲ ክልል እናተገበረ ብዛዕባ ዘሎ ሰብኣዊ ሓገዝን እቲ ክልል መሊስካ ንምጥያሽ እናተሰርሑ ዝርከቡ ተግባራርን ዝምልከት መብርሂ እውን ሂበን፡፡

ኣምባሳደ ታካኮ ብግደአን፥ ጃፓን ኣብ እዋን ናዕቢ ኣመሓድራ ስራሕ ሰፊሕ ልምዲ ዘለዋ ሃገር ከምዝኾነት ተዛሪበን፡፡

ምስ እዚ ተተሓሒዙ ድማ ኣብ ክልል ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝን መሊስካ ንምጥያሽን ኣብ ዝህሉ ከይዲ ኣድላየ ብዝኾነ መልክዑ ንምሕጋዝ መንግስተን ሓገዝ ንምግባር ዘለዎ ድልዉነት ምግላፀን ካብ ሚኒስቴር ሰላም ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.