Fana: At a Speed of Life!

ጁንታ ዘጋወሖ ናይ ሓሶት ፕሮፓጋንዳ ንደሓር ብምባል ኩሉ ሰብ ሃገሩ ክሕሉ ይግባእ – ነበርቲ ከተማ ኮምቦልቻ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ጥቅምቲ፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ከተማ ኮምቦልቻ ብዝገበሮ ትዕዝብቲ ኣብታ ከተማ ሰላማዊ ምንቅስቓስ ከምዘሎ ተመልኪቱ።

ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ትካላት ሕክምና፣ ኣቢያተ መድሓኒት፣ ኣቢያተ ንግዲ፣ ኣገልግሎታት ትራንስፖርትን ትካላት መውሃቢ ኣገልግሎት መንግስቲን ስሩዕ ኣገልግሎት እናሃቡ ከምዝኾኑ ምዕዛብ ተኻኢሉ።

ትዕዝብቲ ኣብ ዝገበርናሎም ከባቢታት እታ ከተማ ዝረኸብናዮም ነበርቲ ከምዝበሉዎ፥ ማሕበረሰብ ንባዕሉ ካብ ፕሮፓጋንዳ ብምርሓቕ ሃገሩ ክሕሉ ይግባእ ኢሎም።

“ስራሕና እናሰራሕና ሽርሒ እቲ ጁንታ ክነፍሽሎ ኢና” ዝበሉ እቶም ነበርቲ፥ ንሓይሊታት ፀፅታ ደጀን ካብ ምዃን ጀሚሩ ክሳብ ግምባር ብምኻድ መስዋእቲ እናኸፈለ ከምዝርከብ ገሊፆም።

ብከድር መሓመድ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.