ጁንታ ኣብ ከተማ ሑመራ ናይ ማይ ካድራ ዓይነት ጨፍጫፍ ንምፍፃም ዝሓሰቦ ትልሚ ተቓሊዑ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 15 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ጁንታ ህወሓት ኣብ ከተማ ሑመራ ናይ ማይ ካድራ ዓይነት ጨፍጫፍ ንምፍፃም ዝሓሰቦ ትልሚ ምቅልዑ መፃረዪ ሓበሬታ እዋናዊ ኩነታት ኣፍሊጡ።
ብመሰረት እቲ ትልሚ ካብ ትግራይን ሱዳንን መጥቃዕቲ ዝፍፅሙ ሰባት መልሚሉ ብምእታው በቶም ፈፀምቲ ጥቕዓት ኣቢሉ ጨፍጫፍ ከምዝፍፅም ኣፍሊጡ።
እዚ ንምግባር ንክሙቹ ብኣብፈት ራያን ዓፋርን ተደጋጋሚ ፅሕተራ ብምፍፃም ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ትኹረት ምዝባዕ።
ሰራዊት ናብ ራያን ዓፋርን እንትእከብን ሓይሊ ምዕራብ እንትስሑን ኣብኡ መጥቃዕቲ ብምፍፃም እቲ ተግባር ንምፍፃም ምትላሙ ከምዘርእዩ መፃረዪ ሓበሬታ እዋናዊ ኩነታት ገሊፁ።
እቲ ጁንታ ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ኣብ ሑመራ ጨፍጫፍ ከምዝፍፅሙ ብማሕበራዊ ሚዲያ ምውዛዕ ከምዝጅምር እቲ ትልሚ የርእይ።
ብኻሊእ መዳይ እቲ ጁንታ ኣብ ግንባር ዓፋር ዝጀመሮ ፅሕተራ ካብ ፍሉይ ሓይሊ ዓፋርን ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ምላሽ ከምዝተውሃቦ ዝገለፀ እንትኸውን፥ ኣብቲ ፅሕተራ ዘሰለፎም ዘይሰልጠኑ ህፃናትን ደቂ ኣኒስቲዮን ከምዝኾኑ ተፈሊጡ።
እቲ ጁንታ ካብቲ ከባቢ እንትሃድም ልዕሊ 300 ኣስከሬናት ህፃናትን ደቂ ኣኒስቲዮን ብሲኖ ትራክ ናብ መቐለ ምውሳዱ ተፈሊጡ።
ፍልፍላት ድሕንነት ከምዘርእዩዎ እቲ ጁንታ በዚ መገዲ ዘህድሞም ኣስከሬናት ህፃናትን ደቂ ኣኒስቲዮን ኣብ ሓደ መቓብር ብምቕባር ጅምላዊ መቕተልቲ ዝተፈፀመሎም መቓብራት ኣምሲሉ ንምቕራብ ይዳሎ ኣሎ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።