Fana: At a Speed of Life!

ጁንታ ህወሓት ናይ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብዘይኮነ ሰብ ኣልባ ኣውሮፕላን መጥቃዕቲ ተፈፂሙኒ ኢዩ ዝበሎ ሓበሬታ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኢዩ- ሜጀር ጄኔራል ይልማ መርዳሳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ስግብግብ ጁንታ ህወሓት ናይ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብዘይኮነ ሰብ ኣልባ ኣውሮፕላን መጥቃዕቲ ተፈፂሙኒ ኢዩ ዝበሎ ሓበሬታ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኢዩ ክብሉ ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ሜጀር ጄኔራል ይልማ መርዳሳ ገሊፆም።

ሜጀር ጀኔራል ይልማ ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት፥ ካብ ዝሓለፉ ክልተ ዓማውቲ ንደሓር ሓይሊ ኣየር ፌዴሪኢ ልኡላውነት ሃገርን ድሕንነት ዜጋታትን ምሕላው ብዘኽእል ብርኪ ቴክኖሎጂ ዝተዓጠቐ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

እቲ ሓይሊ ኣየር ክልል ኣየር እዛ ሃገር ብብቕዓት ናይ ምሕላውን ከምቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ዝኸረሩ ነገራት እንትፍጠሩን ንሰራዊት ናይ ቀረባ ድጋፍ ንምግባር ዘኸእል ተግባሩ ይዋፃእ ከምዘሎ ገሊፆም።

ዒላማታት ፀላኢ ብዘይምንም ርህራሄ ከምዘይነበረ ምግባር ንሰራዊት መሓንቓት ክኾኑ ዝኽእሉ ነገራት ብምፍራስ መገዲ ናይ ምምዕርራይ ተግባር ይፍፅም ኢዩ እውን ኢሎም።

ሜጀር ጄኔራል ይልማ፥ ስግብግብ ጁንታ ህወሓት ተቖፃፂረዮ ኢሉዎ ዝነበረ ኣፅዋር ክሕደቱ እንተይተሰመዖ ፈኸርኡ ኣብ ዝጎልሀሉ ፅባሕ ብሓይሊ ኣየር ናብ ሓሙኽሽቲ ተቐይሩ ኢዩ ኢሎም።

ሓላፍነት ዘይስምዖ ጉጅለ፥ ብኣፃድፍ ናይ ኮንትሮባንድ መገዲ ተኸቲሉ እቲ ክልል ዝበፅሖ ኣፅዋር ዕድል እውን እንተኾነ ኣብ ኣብዝሓ ተመሳሳሊ ዕድል ገጢሙዎ ኢዩ ኢሎም።

ኣብ ከባቢ መቐለ ኲሓን ዓዲግራትን ዝነበሩ ዲፖታት ነዳዲ እውን ኣብ ረብሓ ጉጅለ ህወሓት እንተይወዓሉ ከምዝዓነዉ ተዛሪቦም።

ክሳብ ሐዚ ዝተዋፀአሉን ንሃገር ዘኹረዐን ስራሕን ስጉምቲን ዝተወሰደ እንትኸውን፥ እቲ ጉጅለ ህወሓት ደብዳብ ኣየር ንፁሃንን ዝተፈላለዩ ትካላት እምነትን ከምኡ ውን ፕሮጀክትታት ኣገልግሎት ህዝቢ ዒላማ ከምዝተገበረ ይኸስስ ኣሎ ኢሎም።

ይኹን እንበር እቲ ውንጀላ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ከምዝኾነን እዚ ድማ ናይቲ ጉጅለ ዝፀንሐ መደናገሪ ተግባሩ ከምዝኾነን ተዛሪቦም።

ኣውሮፕላት ወቒዕና ሓምሺሽና ዝብል ወረ ዘይሕጋዊ ጉጅለ እውን ብዕራይ ወለደ እንበር ኩነታት ዓቕሙን ኣፅዋሩን ኣይፈቐደሉን ክብሉ ሜጀር ጄኔራል ይልማ መርዳሳ ገሊፆም።

ህይወትን ሃፍቲን ኣሕዋትን ኣሓትን ተጋሩ ብዘየነፃፅር መልክዑ ዝተፈላለዩ ዒላማታት ናይ ምጥቃዕ ስጉምቲ ከምዝቕፅል እውን ኣፍሊጦም።

“እዚ እንትንገብር ድማ ብባዕልትና ብዝሃነፅናዮ ቴክኖሎጂ እንበር ናይ ዝኾነ ይኹን ሓገዝን ደገፍን ኣይንሓትትን” ኢሎም።

እቲ ስግብግብ ጉጅለ ሃገርን ህዝብን ማለት ንባዕሉ ባዕሉ ክሳብ ዝረብሐ ጥራሕ ከመዝኾነ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተፈላለዩ መሰረተ ልምዓታት ኣብ ዘዕነወሉ ርእይና ኢና ኢሎም።

ስለዝኾነ ዜጋታት እቲ ጉጅለ ንምንቃል ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ተሓባበርቲ ክኾኑ ይግባእ ክብሉ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

በአፈወርቅ አለሙ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.