Fana: At a Speed of Life!

ጁንታ ህወሓት ሰነዳት ንምጥፋእን ተሃነፅቲ ኣብ ከተማ መቐለ ብምልቃቕ ዝርፊያ ንኽፍፀምን ምግባሩ ከንቲባ እታ ከተማ ኣይተ ኣታኽልቲ ሃይለስላሴ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ጁንታ ህወሓት ኣብ ውሽጢ ክልል ትግራይ ዝነበሩ ተሃነፅቲ ሕጊ ኣብ ከተማ መቐለ ኣኪቡ ብምልቃቕ ዝርፊያ ንኽፍፀምን ምግባሩ ከንቲባ ግዚያዊ ምምሕዳር እታ ከተማ ኣይተ ኣታኽልቲ ሃይለስላሴ ገሊፆም።

ብመንግስቲ ዝተወሰደ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ስዒቡ፥ ኣባላት እቲ ጉጅለ ኣብ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ህንፀት ክልል ትግራይ ብዝተፈላለዩ ገበናት ተታሒዞም እዋን ማእሰርቶም ዘይወድኡ ተሃነፅቲ ኣብ ከተማ መቐለ ለቒቐምዎም ኢዮም።

ስለዝኾነ ድማ ኣብ ውሽጢ እታ ከተማ ገበን ዝርፊያ ንኽፍፀምን ህዝቢ ናብ ስግኣት ክወድቕን ከምዝገበረ እቶም ከንቲባ ገሊፆም።

ብብዙሕ ገበናት ተኣሲሮም ዝነበሩ ሰባት ኣብታ ከተማ ብምልቃቕ ሹቕ ውልቀሰባት እንተይተረፈ ንኽዘርፉ ተገይሩ ኢዩ ኢሎም፡፡

እዚ ዝገበሩሉ ምኽንያት ድማ ትካላት ብምዝራፍ ሰነዳት ንምጥፋእ፣ ህዝቢ ናብ ስግኣት ንምእታውን ንኽጠራጠርን ብምግባር ኣብ ሰራዊት ምክልኻልን ሓዱሽ ምምሕዳርን እምነት ክስእን ንምግባር ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ብመሰረት እዚ እውን ብዙሓት ቤት ዕዮታት መንግስቲ ኮነ ተባሂሎም ክዝረፉ ከምዝተዘረፈን ሰነዳት ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ከንቲባ እታ ከተማ ሙሉእ ብሙሉእ ከምዝተዘረፈን ገሊፆም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ግልጋሎት ወሃብቲ ዝኾኑ ትካላት ፍትሒ፣ ቤት ማዘጋጃን ኣብ ውሽጢ ኣቢያተ ፍርዲን ዝነበሩ ሰነዳት ከምዝተዘረፉ ዝገለፁ ኣይተ ኣታኽልቲ፥ ኣብዘን ትካላት ኮነ ተባሂሉ ብዝተዋደደ መልክዑ ዝርፊያ ምስዝተፈፀመ፥ ተሰሪቑ ኢዩ ንኽበሃል እተን ትካላት ክፍቲ ተገይሮም ከምዝተገደፉ ኣብሪሆም።

ነዚ ኣጋጣሚ ዝተጠቐሙ ካልኦት ዘረፍቲ እውን ዝተፈላለዩ ኣቑሑት ከምዝሰረቑ ኣገንዚቦም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን እታ ከተማ ናብ ዕለታዊ ምንቅስቓሳ ምምላሳ ዘርእዩ ፅቡቓት ምንቅስቓሳት ኣለዉ ዝበሉ እቶም ከንቲባ፥ ምስ ሰራዊት ምክልኻል ብምዃን ሕብረተሰብ ዘማእኸለ ስራሕ እናተሰርሐ ከምዝኾነን መቐለ ኣብ ሓፂር እዋን ናብ ዝነበረቶ ስሩዕ ምንቅስቓስ ከምትምለስን ኣረጋጊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.