Fana: At a Speed of Life!

ጀርመን ንኢትዮጵያ ሓዊሱ ብድርቂ ንዝተጎድኣ ሃገራት ዝውዕል ሓገዝ 25 ሚሊየን ዩሮ ገይራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ጀርመን ኣብ ኢትዮጵያ፣ ሶማሊያ ፣ኬንያን ሱዳንን ብድርቂ ንዝተጎድኡ ዜጋታት ዝውዕል ሓገዝ 25 ሚሊዮን ዩሮ ገይሩ፡፡

እቲ ሓገዝ ብትካል ምግቢን ሕርሻን ዓለም (ፋኦ) ኣቢሉ ዝተበርከተ እንትኸውን፥ ፋኦ ነቲ ሓገዝ ካብ ምግስቲ ጀርመን ከምዝተከበ ኣፍሊጡ፡፡

ፋኦ ኣብ ፅብፃቡ፥ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ዘጋጠመ ድርቂ ስእነት ውሕስና ምግቢ እናስዐበ ከምዝኾነን ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኬንያ፣ ሶማሊያን ሱዳንን 22 ሚሊየን ሰባት ህፁፅ ሰብኣዊ ርዳእታ ከምዘድልዮምን ገሊፁ፡፡

ብምኽንያት እቲ ድርቂ ብዙሓት እንስሳ ዘቤት ከምዝሞታን ብዙሓ ሰባት ካብ መረበቶም ከምዝተመዛበሉን ኣመልኪቱ፡፡

እቲ ሓገዝ ገንዘብ በቲ ድርቂ ንዝተጎድኡ ከባቢታት ሰብኣዊ ሓገዛት ተበፃሒ ንምግባርን መሊስካ እግሪ ንምትካልን ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዝገብር ዝተገለፀ እንትኸውን፥ ሓደ ሚሊየን ዜጋታት ንምርዳእ ዘኽእል ኢዩ ተባሂሉ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.