Fana: At a Speed of Life!

ጀርመን ስርዓት ማሕበራዊ ሓለዋ ንምጥንኻር ደገፍን ምትሕብባርን ከምእትገብር ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መንግስቲ ጀርመን ተረባሕነት ደቂ ኣኒስቲዮን መናእሰይን ንምርግጋፅ ዝዓለመ ስርዓት ማሕበራዊ ሓለዋ ንምጥንኻር ደገፍን ምትሕብባርን ከምእትገብር ገሊፁ።

ሚኒስትር ደቂ ኣኒስቲዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ኤርጎጌ ተስፋዬ (ዶ/ር)ን ልኡኸንን ምስ ኣምባሳደር ፖሊሲ ወፃኢ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ጀርመንን ጌሳ ብራቲጋምን ኣምባሳደር ጀርመን ኣብ ኢትዮጵያ ጆን ሄንፊልድን በምትሕብባር ምስራሕ ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት ጠመተ ዝገበረ ዘተ ኣሳሊጦም።

እቲ መድረኽ ዘተ፥ ኣብ መሰል ደቂ ኣኒስቲዮን ደቂ ኣኒስቲዮ ኣብ ሰላምን ድሕንነትን፣ ብሄራዊ ዘተን ሽግግር ፍትሒን ዘለወን ግደን ተሳትፎ ክብ ምባል ኣብ ዘኽእል ኩነታት ንምዝታይ ዝዓለመ ኢዩ ተባሂሉ።

እቶም ሓለፍቲ ስራሕ ኣብ ማዕርነት ስርዓተ  ፆታ፣ ምብቃዕ ደቂ ኣኒስቲዮን መናእሰይን ከምኡውን ምጥንኻር ሰርዓት ማሕበራዊ ሓለዋን  ምዝታዮም ኣብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኤርጎጌ (ዶ/ር)፥ ደቂ ኣኒስቲዮ ኢትዮጵያ ኣብ ሃገራዊ ዘተን ሽግግር ፍትሒን ግደአን ዝዓበየ ብምዃኑ ተሳትፎአን ክብ ንምባል ሰፊሕ ስራሕ ይስራሕ ከምዘሎ ኣረዲአን።

ከምኡወን ንሓለዋ መሰል ደቂ ኣኒስቲዮ ልዑል ጠመተ ከመዝተውሃበን ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብምውዳድ የስራሕ ከምዘሎን ሓቢረን።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.