Fana: At a Speed of Life!

ጀርመን ስራሕቲ ብሄራዊ ኪሚሽን ተሃድሶ ንኽዕወቱ ሓገዝ ከምትገብር ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 8 መጋቢት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽነር ብሄራዊ ኪሚሽን ተሃድሶ ኣምባሳደር ተሾመ ቶጋ ምስ ኣምባሳደር ጀርመን ኣብ ኢትዮጵያ ስቴፍን ኡር ተዛቲዮም።

ኣምባሳደር ተሾመ÷ ኮሚሽን ተሃድሶ ዝተጣየሸሉ ዕላማ፣ ክሳብ ሕዚ ዝተሰርሑ ምዕራፋት ምድላውን ምስ መሓዙት ልምዓት ብሓባር ብዛዕባ ዝስርሑ ጉዳያት ምትሕብባርን ምሕዝነትን ኣመልኪቶም ገለፃ ሂቦም።

ኣምባሳደር ስቴፍን ብግደኦም÷ ጀርመን ብፍላይ ኣብ ቴክኒክን ሞያን ከምኡ እውን ኣብ ስራሕቲ ሕርሻ ዋና መሓዛ ልምዓት ኢትዮጵያ ከምዝኾነት ኣብሪሆም።

ጀርመን ስራሕቲ ብሄራዊ ኪሚሽን ተሃድሶ ንኽዕወቱን ኩለመዳያዊ ሰላም ንኸዓስልን ዝከኣል ሓገዝ ከምትገብር እቶም ኣምባሳደር ቃል ምእታዎም ካብ ሚኒስቴር ሰላም ዝረኸብና ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.