Fana: At a Speed of Life!

ጀርመን ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ርክብ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ቆራፅ ከምዝኾነት ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ጀርመን ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ርክብ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ቆራፅ ከምዝኾነት ፍሉይ ልኡኽ እታ ሃር ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ሄኮ ኒትዝሺከ ኣረጋጊፆም።

ሚኒስትር ዴኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣርጋ ምስ ፍሉይ ልኡኽ ጀርመን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ሄኮ ኒትዝሺከ ተዛቲዮም፡፡

ኣብ ዘተኦም ድማ ክልቲኦም ወገናት ሓበራዊ ድሌት መሰረት ብምግባር ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪካን ዞባዊ ጉዳያትን ተመያይጦም፡፡

ጀርመን ቀንዲ ስትራቴጂክ መሓዛ ኢትዮጵያ ከምዝኾነት ዝገለፁ ኣምባሳደር ምስጋኑ÷ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ጥንኩር ርክብ ብዝምልከት ኣብሪሆም፡፡

ሄኮ ኒትዝሺከ ብግደኦም÷ ጀርመን ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ርክብ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ቆራፅ ከምዝኾነት ምርግጋፆም ሓበሬታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣመልኪቱ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.