Fana: At a Speed of Life!

ዶ/ር ጌዲዮን ጢሞቴዎስ ኣብ ቤልጂየምን ኔዘርላንድስን ምስ ዝነብሩ ኣመራርሓታት ዳያስፖራ ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳያት ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ፍትሒ ፌ.ዴ.ሪ.ኢ ዶክተር ጌዲዮን ጢሞቴዎስ ኣብ ቤልጂየምን ኔዘርላንድስን ምስ ዝነብሩ ኣመራርሓታት ዳያስፖራን ምስ መተሓባበርቲ ዲፌንድ ኢትዮጵያ ኣብ ውሮፓን ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳያት ተዛቲዮም።

እቶም ሚኒሰስትር ኣርባዕተ ኣባላት ዘለዉዎ ጉጅለ ልኡኽ ብምምራሕ ኣብ ብራስለስ ዝርከቡ እንትኾኑ፥ ኣብ ብራስለስን ከባቢኣን ምስ ዝነብሩ ኣመራርሓታትን መተሓባበርቲን ዳያስፖራ ብኣካል፣ ከምኡ እውን ኣብ ኔዘርላንድስ ምስ ዝነበር ኣባላት ዳያስፖራን ኣብ ከተማታት ኣውሮፓ ምስ ዝርከቡ መተሓባበርቲ ዲፌንድ ኢትዮጵያ ብመርበብ ሓበሬታ ተዛቲዮም፡፡

ሚኒስትር ጌዲዮን ጢሞቴዎስ ኣብ መእተዊ እቲ ዘተ፥ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓማውቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝነብር ማሕበረሰብ ዳያስፖራ ዝተገበሩ ምንቅስቓሳትን ሓገዛትን ብፍላይ ኣብ ክልኻል ኮቪድ-19፣ ንሰራዊት ምክልኻልን ብኲናት ጉድኣት ንዝበፅሖም ወገናት ዝተበረ ሓገዝ ገንዘብን ናውቲን፣ ከምኡ እውን ምንቅስቓስ የኣክል፣ ኣብ ዓቢዪ ጉዕዞ ናብ ሃገርን ኣብ መርሃ ግብሪ ካብ ዒድ ናብ ዒድን ዝተገበሩ ናይ ምፍላጥን ምንቅስቓሳት ፐብሊክ ዲፕሎማሲን ብምዝርዛር ኣመስጊኖም፡፡

ካብ ኣባላት ዳያስፖራ ዝተልዓሉ ሕቶታት በቶም ሚኒስትር መብርሂን ምላሽን ዝተውሃበ እንትኸውን፥ ተሳትፎ ማሕበረሰብ ዳያስፖራ ብምንኣድ እዚ ተጠናኺሩ ንኽቕፅል ምሕታቶም ኣብ ብራስለስ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.