Fana: At a Speed of Life!

ዶ/ር ኣብርሃም በላይ ምስ ሚኒስትር ምክልኻል ሶማሊያ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ምክልኻል ፌዲሪኢ ኣብርሃም ዶ/ር ኣብርሃም በላይ ብሚኒስትር ምክልኻል ሶማሊያ ኣብዱልከድር መሓመድ ኑር ምስ ዝረመርሐ ልኡኽ ተዛቲዮም።

ኣብ ዘተኦም ድማ ኣብ ክልተኣዊ ጉዳያት ሰላምን ድሕንነትን ከምኡ እውን ዞባዊ ኩነታት ፀፅታ ትኹረት ገይሮም፡፡

ኢትዮጵያ ንሰላምን ደሕንነትን ንፌዴራላዊ ሪፐብሊክ ሶማሊያ÷ ኩለመዳያዊ ሓገዝ ምግባራ ከምትቕፅል ዶክተር ኣብርሃም ምግላፆም ካብ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኣብዱልከድር መሓመድ ኑር በብግደኦም÷ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ ሶማሊያ ሰላምን ፀፅታን ንኽረጋገፅ ክሳብ ናይ ሕይወት መስዋእትነት ብምኽፋል እናገበሮ ንዝርከብ ሓገዝ ኣመስጊኖም፡፡

እቲ ሓገዝ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል እውን እምነቶም ገሊፆም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.