Fana: At a Speed of Life!

ዶ/ር ኢ/ር ሃብታሙ ኢተፋ ብዳይሬክተር ባንኪ ዓለም ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ምስ ዝተመርሐ ልኡኽ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ማይን ኢነርጂ ዶክተር ኢንጂነር ሃብታሙ ኢተፋ ብዳይሬክተር ባንኪ ዓለም ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ኬት ሃንሰን ምስ ዝተመርሐ ልኡኽ ተዛቲዮም።

እቶም ሚኒስትር ኣብ ሚኒሰስቴር ማይን ኢነርጂን ቀረብ ማይን ሳኒቴሽንን፣ ምሕደራ ሃፍቲ ማይን ልምዓት ዝሕደስ ሓይሊን ኣድሂቡ እናሰርሐ ዘሎ ስራሕ ኣመልኪቶም ነቲ ልኡኽ መብርሂ ሂቦም፡፡

ኢትዮጵያ ኣብ 2030 ኩሎም ዜጋታታ ተጠቀምቲ ቀረብ ሓይሊ ንምግባር ተሊማ እናሰርሐት ከምዝኾነት ምግላፆ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ዳይሬክተር ባንኪ ዓለም ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ኬት ሃንሰን ብግደአን፥ እናተሰርሐ ዝርከብ ስራሕ ብምንኣድ፤ ባንኪ ዓለም ኢትዮጵያ ኩሎም ዜጋታታ ተጠቀምቲ ኤሌክትሪክ ንኽኾኑ ዝሓዘቶ ትልሚ ንኽዕወት ብምትሕብባር ንምስራሕን ንምሕጋዝን ፍቓደኛ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.