Fana: At a Speed of Life!

ዶ/ር ኢዮብ ተካልኝ ምስ ሓላፊ ግምጃ ቤት ፈረንሳይ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ዴኤታ ገንዘብ ኢዮብ ተካልኝ ምስ ላዕለዋይ ሓላፊ ግምጃ ቤት መንግስቲ ፈረንሳይ ኢማኑኤል ሞሊን ተዛቲዮም።

እቶም ሚኒስተር ዴኤታ÷ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ፈረንሳይ ምስ ዝገበሩዎ ዑደት ስራሕ ጎድና ጎድኒ ምስ ሓላፊ ግምጃ ቤት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ሞሊን ኣብ ክልተኣዊ ምትሕብባር ኢኮኖሚ ክልቲአን ሃገራት ዕዉት ልዝብ ምግባሮም ተገሊፁ።

ዶክተር ኢዮብ ኣብ እዋን ዘተኦም÷ ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ዓውዲታት ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ዓውዲታት ትርከበሉ ኩለመዳይ ምብቅስቓስ ዝምልከት መብርሂ ሂቦም።

ብጎንፂን ተፈጥሮኣዊ ሓደጋን ዝተጎድኡ ክፋላት ማሕበረሰብ መሊስካ ንምጥያሽ ዝግበር ስራሕ ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ እውን ተዛሪቦም፡፡

ፈረንሳይ ኣብ ዓውዲ ክልተኣዊን በዓል ብዙሕ ወገን ምትሕብባር ኢኮኖሚ ንኢትዮጵያ ትገብሮ ሓገዝ ልምዓት ትኹረት ገይሩ ዝተኻየደ ዘተ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ፈረንሳይ ብመሰረት ማዕቐፍ ዝማዕበላ 20 ሃገራት÷  ፅዕንቶ ልቓሕ ኢትዮጵያ ዝቃለለሉ ከይዲ ንምቅልጣፍ ቆራፅ ከምዝኾነት ኣብቲ እዋን ዘተ ከምዝተመልከተ ካብቲ ሚኒቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.