Fana: At a Speed of Life!

ዶ/ር መቅደስ ዳባ ምስ ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ትዕና ዶክተር መቅደስ ዳባ ምስ ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ተዛቲየን።

ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብቲ እዋን ዘተ÷ ኣብ ዓውዲ ጥዕና ኢትዮጵያ፣ ኣል ልምዓት ሓይሊ ሰብ፣ ፋይናንሲንግ ጥዕናን ስሩዕ ኣገልግሎት ክታበት ንምጥንኻርን ዝውሰዱ ስጉምቲታት ከምዝድግፍ ኣፍሊጡ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ለበዳ ሕማማት ዓሶን ኮሌራን ንምቁፅፃ ዝውሰዱ ስጉምቲታት ከምዝድግፍ ምግላፁ ተሓቢሩ፡፡

ሚኒስትር ጥዕና ዶ/ር መቅደስ ዳባ÷ ኢትዮጵያ ኩለመዳይ ኣገልግሎት ጥዕና ንምርግጋፅን ኣብ ቀፃሊ እውን ቀዳማይ ብርኪ ክንክን ጥዕና ንምጥንኻር ምስ ውድብ ጥዕና ዓለም ከምትሰርሕ ገሊፀን።

ኣብቲ ዞባ ጥንኩር ማእኸል ኣገልግሎት ሃንደበታዊ ሕክምና ንምህናፅ፣ ጉጅለ ሃንደበታዊ ሕክምና ሓዊሱ ልምዓት ሓይሊ ሰብ ዓውዲ ጥዕና ንምድንፋዕ እናተሰርሐ ከምዝርከብ እውን ኣልዒለን።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.