Fana: At a Speed of Life!

ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁ ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣቦ መንበር ትካል በይነ መንግስታት ልምዓት ብምባርቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ) ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁ ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ተዛቲዮም፡፡

እቶም ኣቦ መንበር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ ፅሑፍ፥ ምስ ኣንቶኒ ብሊንከን ዳግም ከምዝተራኸቡ ገሊፆም።

ኢጋድ ሰላምን ድሕንነትን እቲ ዞባ ኣብ ምርግጋፅ ዝፃወቶ ወሳኒ ግደ ዝምልከት፤ ከምኡ እውን ስትራቴጂካዊ ርክብ ኢጋድን ኣሜሪካን ብዝምልከት ምስ ኣንቶኒ ብሊንከን ከምዝተመያየጡ ኣፍሊጦም።

ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁ፥ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ኬንያ ተራኺቦም ከምዝተዛተዩ ኣዘኻኺሮም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.