Fana: At a Speed of Life!

ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ከተማ ኣጋሮ ሕፁይ ተወዳዳሪ ፓርቲ ብልፅግና ብምዃን ተመሪፆም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 2መጋቢት ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ፓርቲ ብልፅግና ንዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዞባ ጅማ ከተማ ኣጋሮ ንመረፃ ሕፁይ ተወዳዳሪ ገይሩ ከምዘቕረቦም ኣፍሊጡ።

እቲ ፓርቲ ምልክት መረፅኡን ማኒፌስቶኡን ኣብ ከተማ ኣጋሮ ንኣባላትን ደገፍትን ኣብ ዘፋለጠሉ እዋን እዩ ንዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ሕፁይ ገይሩ ምቕራቡ ዕላዊ ዝገበረ፡፡

ሓላፊ ፓርቲ ብልፅግና ኣጋሮ ኣይተ ነዚፍ መሓመድኣሚን ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዝገበሩዎ መደረ “እቲ ፓርቲ ዝሓመቐ ስርዓት ዘወገደን ንሃገርና ዓብዪ ናይ ለውጢ ብርሃን ዝወለዐን እዩ” ኢሎም፡፡

ፕረዚዳንት እቲ ፓርቲ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ንመረፃ ኣብ ከተማ ኣጋሮ ሕፁይ ተወዳዳሪ ኮይኖም ምቕራቦም ኣፍሊጦም፡፡

እቲ ፓርቲ ሻድሻይ ሃገራውን ክልላዊን መረፃ ዲሞክራሲያዊ፣ፍትሓዊን ሰላማዊን ኮይኑ ንኽውዳእ ግድኡ ከምዝዋፃእ ሓላፊ እቲ ቤት ፅሕፈት ገሊፆም።

ላዕለዋይ ኣመራርሓ እቲ ፓርቲ ከተማ ኣጋሮ ኣይተ ያሲን ብግደኦም ፓርቲ ብልፅግና እታ ሃገር ናብ ቅድሚት ንምዕባይ ዝዓለመ ግልፅን ጭቡጥን መገዲ ዝጀመረ ፓርቲ ከምዝኾነን ንዝሐሸ ምዕባለ ከምዝሰርሕን ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.