Fana: At a Speed of Life!

ዶክተር ሊያ ታደሰ ሓገዝ ተኸላ መፍረዪ ማሽን ኦክሲጅን ንዝገበረ ፋውንዴሽን ቢልና ሜልንዳ ጌትስ ኣመስጊነን

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ሓገዝ ተኸላ መፍረዪ ማሽን ኦክሲጅን ንዝገበረ ፋውንዴሽን ቢልና ሜልንዳ ጌትስ ኣመስጊነን።

ከይዲ ዕድጊቱ ንዘተሓባበረ ኢኒሼቲቭ ክሊንተን ሄልዝ አክሰስ ከምኡ እውን መሳርሒ ንዘቕረበ ሜድስታር ሄልዝ እውን ኣመስጊነን፡፡

ዶክተር ሊያ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፀን ከምዝገለፀኦ፥ ለበዳ ቫይረስኮሮና ካብ ምክልኻል ጎድና ጎድኒ ብኮቪድ ንዝተሓዙ ክፋላት ሕብረተሰብ ዝተማልአ ግልጋሎት ሕክምና ዝህባ ትካላት ጥዕና ናይ ምውዳድን ምድላውን ስራሕ እናተሰርሐ ምፅንሑ ገሊፀን፡፡

ካብ ዝተገበሩ ምድላዋት ዝዓበየ ብፅሒት ዝወስድ ድማ ብብርኪ መንግስቲን ውልቀን ዝፈሪ መጠን ኦክሲጅን ምዕባይ፣ እቲ ዝርገሐ እዋናዊን ፍትሓዊን ምግባር ከምኡ እውን ብብርኪ ጥዕና ትካላት ኣጠቓቕሙኡ ምምሕያሽ ከምዝኾነ ኣብሪሀን፡፡

ቅድሚ ሓደ ዓመት ዝነበረ ዓቕሚ ምፍራይ ኦክሲጅን ብዕፅፊ ምዕባይ ከምዝተኸኣለ ዝገለፃ ዶክተር ሊያ፥ ናይ ምክፍፋል ዓቕሚ ንምዕባይ ድማ ልዕሊ 6 ሺሕ ሲሊንደራት ኦክሲጅን ተዓዲጎም ከምዝተኸፋፈሉ ተዛሪበን፡፡

ድሕሪ ቀረባ እዋን በቲ ሕማም ዝተሓዙን ናብ ትካላት ጥዕና ዝኣትዉን ቁፅሪ ተሓከምቲ ኣዚዩ እናወሰኸ ብምምፅኡ ኣብ ቀረብ ኦክሲጅን ፅዕንቶ እናሕደረ ከምዝርከብ ኣገንዚበን፡፡

እዚ ንምቅላል ድማ ትማሊ ተኸላ ማሽን መፍረዪ ኦክሲጅን ከምዝተሳለጠ ገሊፀን፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.