Fana: At a Speed of Life!

ዶናልድ ትራምፕ፥ ኣሜሪካ ንዩክሬን እትሀብሮ ደገፍ ክቕንሱ ከምዝኽእሉ ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ሓዱሽ ተመራፂ ፕሬዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ፥ ኣሜሪካ ንዩክሬን እትሀብሮ ደገፍ ክቕንሱ ከምዝኽእሉ አፍሊጦም።

ትማሊ ምሸት ምስ ጣቢያ ቴሌቪዥን ኤንቢሲ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፥ ናብቲ ቤተ መንግስቲ ምስተመለሱ ኣብ መንጎ ሩሲያን ዩክሬንን ህፁፅ ስምምዕነት ደው ምባል ተዂሲ ንክካየድ ፀቕጢ ክገብር ኢየ ኢሎም።

ኣሜሪካ ንዩክሬን እትሀብሮ ደገፍ ምቕናስ ክልዕቲአን ሃገራት ንዝገብርኡ ኲናት ንከይጋደድ ዝገብር ኢዩ ኢሎም።

ኣርቲ ከምዝፀብፀቦ፥ እቲ ኲናት ካብ ዝተጀመረሉ 2022 ዓ.ም.ፈ ጀሚሩ ክሳብ ሐዚ ኣሜሪካ ንዩክሬን 131 ነጥቢ 36 ቢሊየን ዶላር ብዓይነትን ብገንዘበን ደገፍ ገይራ ኣላ።

ካብ መንጎ እዚ እቲ  90 ቢሊየን ዶላር ብቐጥታ ንዩክሬን ዝተውሃበ ገንዘብ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.