“ድምፅና ንነፃነትና” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ መላእ ሃገር ሰለማዊ ሰልፊ ክካየድ ኢዩ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 21 ግንቦት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)“ድምፅና ንነፃነትና ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ መላእ ሃገር ሰለማዊ ሰልፊ ፅባሕ ከምዝካየድ ተገሊፁ።
እቲ ሰለማዊ ሰልፊ ሃገራው ወፃኢ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ዝገብርዎ ኢድ ኣእታውነትን ፅዕንቶም ዝቃወም ከምዝኾነ ተሓቢሩ።
መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብዚ ሰሙን ዘንበሮ ክልከላ ጉዕዞን ኣብ ለዕሊ ኢትዮጵያ ዝፈጥሮ ፅዕንቶን እዛ ሃገር ካብ ድኽነት ንከይትላቐቕ ንምግባር ካብ ምድላይ ዝፍልፍል ብምዃኑ ብፍላይ መንእሰይ ንዕብየት ሃገር ግድኡ ብምውፃእ ፅዕንቶ ወፃኢ ክቃወም ኣለዎ ተባሂሉ።
ስለዝኾነ እቲ መርሃ ግብሪ ፅባሕ ሰንበት ብተመሳሳሊ ሰዓት ኣብ መላእ ሃገር ዝካየድ እንትኸወን፥ ብዙሓት መናእሰይ ክሳተፉ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።