Fana: At a Speed of Life!

ድሕንነት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ሓደጋ ንምውዳቕ ተንቀሳቒሶም ኣብ ልዕሊ ዝተብሃሉ 6 ውልቀ ሰባት 14 መዓልቲ መፃዪ ምርመራ ተፈቒዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤትፍዲ ድሕንነት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ሓደጋ ንምውዳቕ ተንቀሳቒሶም ብዝብል ኣብ ልዕሊ ዝተጠርጠሩ 6 ውልቀ ሰባት 14 መዓልቲ መፃዪ ምርመራ ተፈቒዱ።

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌደራል ምድብ መጋባእያ ልደታ እዋን ቆፀሮ ትማሊ ድሕሪ ሰዓት ኣብ መዝገብ እዋን ቆፀሮ ዮሃንስ ዳንኤል (ጆን ዳንኤል) ዝተኻተቱ 6 ውልቀሰባት መርማሪ ፖሊስ ፌደራል ዘቕረቦ መበገሲ ጥርጣረን ብቀገን ጠበቓታት ተጠርጠርቲ ዝተልዓሉ መከራኸሪ ነጥቢታትን መርሚሩ ሎሚ መዓልቲ ተወሳኺ እዋን መፃረዪ ምርመራ ጊዜ ለፖሊስ መስጠት አስፈላጊ መሆኑን በማመን የ14 የምርመራ ማጣሪያ ጊዜ ቀጠሮ ንፖሊስ ፈቒዱ ዘሎ።

ኣብ ልዕሊ ዮሃንስ ዳንኤል (ጆን ዳንኤል)፣ ኣማኑኤል መውጫ፣ ናትናኤል ወንድወሰን፣ ኤልያስ ድሪባ፣ ይዲድያ ነፃነትን እሌኒ ክንፈን ዝተባህሉ ውልቀሰባት ኢዩ እዋን ቆፀሮ መፃረዪ ምርመራ ተፈቒዱ።

መርማሪ ፖሊስ ፌደራል ተጠርጠርቲ 16  ነሓሰ 2016 ዓ.ም ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ መቐለ ንጉዕዞ ኣብ ዝተሰናደአ ኣውሮፕላን ሕጊን ኣሰራርሓን ሲቪል ኣቪዬሽን መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብምጥሓስ፣ ድሕንነት እቲ መገዲ ኣየር ኣብ ሓደጋ ንምውዳቕ፣ ንሰብ ሞያ ድሕንነት ብተንቀሳቓሲ ምስሊ ብምቕራፅ ኣብ ልዕሊ እቲ መገዲ ኣየር መጥቃዕቲ ንምብፃሕ እናተንቀሳቐሱ ከምዝነበሩር ብምፅራሕ መበገሲ ጥርጣረ ነቲ መጋባእያ ምቕራቡ ይዝከር።

ነዚ ስዒቡ ብወገን ጠባቓታት ተጠርጠርቲ ዓማዊል ኣብቲ ዕለት ንጉዕዞ ናብ መቐለ ንምኻድ ኣብ ዝተሰናደኡሉ እዋን በረራ ብምድንጓዩ ተናዲዶም ዝተፈጠረ ዘይምርድዳእ እምበር ልኡኽ ግብረ ራዕዲ ብመሓዝ ኣይኮነን ዝብልን ፖሊስ ዘቕረቦ መበገሲ ጥርጣረ ተግባር ዘየማልእን ፖሊስ ፍትሒን መምርሒ ገበንን ዘይተኸተለ ኢዩ ዝብል መካትዒ ነጥቢ ኣቕሪቦም ነይሮም።

የማንን ፀጋምን ክትዕ ዝመርመረ እቲ መጋባእያ÷ መዝገብ ምርመራ ፖሊስ ክቐርብ ብምግባርን ብምርኣይን ከምኡ እውን ተጠርጠርቲ ቀዳም ኣብ ቀዳማይ ብርኪ ኣራዳ ምድብ ብተመሳሳሊ ቀሪቦም ዋሕስ 20 ሺሕ ብር ከምዝተፈቐደ ዝገልፅ መረጋገፂ ብጠበቓታት ንኽቐርብ ብምባል እቲ መረጋገፂ ተመልኪቱ ተጠርጠርቲ ኣብ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ናዕቢን ሁከትን ምልዓል ብዝብል መዝገብ ከምዝቐረበሎም እምበር ብገበን ግብረ ራዕዲ ብወገን ፖሊስ ፌደራል ዘይቀረቡ ከምዘይኮኑ ኣረጋጊፁ።

በዚ ድማ እቲ ቤቱ ኣብ ልዕሊ ተጠርጠርቲ ዝተጀመረ ምርመራ መፃረዪ ግዘ ምሃብ ከምዘድሊ ብምእማን ሕቶ ዋሕስ ተጠርጠርቲ ንግዚኡ ብምሕላፍ ንፖሊስ ናይ 14 መዓልቲ መፃረዪ ምርመራ ፈቒዱ።

ብታሪክ ኣዱኛ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.