Fana: At a Speed of Life!

ድሕንነት ሃገር ኣብ ሓደጋ ብምእታውን ሚስጢር ድሕንነት መንግስቲ ንጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣሕሊፎም ብምሃብን ገበን ዝተጠርጠሩ ውልቀሰባት ቤት ፍርዲ ቀሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ድሕንነት ሃገር ኣብ ሓደጋ ብምእታውን ሚስጢር ድሕንነት መንግስቲ ንጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣሕሊፎም ብምሃብን ገበን ዝተጠርጠሩ ሓሙሽተ ውልቀሰባት ትማሊ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም።

እቶም ተጠርጠርቲ፥ ነበር ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ህወሓት ኣዲስ ኣበባ ኣይተ ተወልደ ገብረፃድቕ፣ ዳይሬክተር ሕጊን ፍትሒን ኣይተ  ተስፋኣለም ይሕደጎን ሓላፊ ድሕንነት ክፍለ ከተማ ኣቃቂ ቃሊቲ ኣይተ ኣፅብሃ ኣለማየሁን ካልኦት ክልተ ውልቀ ሰባትን ኢዮም።

እቶም ተጠርጠርቲ ቅድመ ሐዚ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ቤት ፍርዲ ድሕንነት ሃገር ኣብ ሓደጋ ብምእታው ሚስጢር ድሕንነት መንግስቲ ኣብ ወፃኢ ንዘሎ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣሕሊፎም ሂቦም ኢዮም ብምባል ምርመራ ክግበረሎም ፀኒሑ ኢዩ።

እቲ ቤት ፍርዲ ዝተጠርጠርሉ ገበን ግብረራዕዲ ብምዃኑ ስልጣን ንዘለዎ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ምምላሱ ስዒቡ ኢዩ ትማሊ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም።

እቶም ተጠርጠርቲ “ቅድመ ሐዚ ብዝተጠርጠርናሉ ገበን ተመርሚሩ ሰልጣን ገበን ብዘለዎ ቤት ፍርዲ ተራእዩ ዝቐረበ መረዳእታ የለን ስለዚ ተወሳኺ ጊዜ ክፍቀድ ኣይግባእን” ዝብል መቃወሚ ኣቕሪቦም።

እቶም ውልቀ ሰባት ዝተጠርጠርሉ ገበን ግብረ ራዕዲ ተወሳኺ ምርመራ ከምዘድሊዩ ኣብ ግምት ዘእተወ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ተረኛ መጋባእያ ጊዜ ቆፀሮ ንተወሳኺ ምርመራ ንመርማሪ ፖሊስ 10 መዓልቲ ፈቒዱ።

ውፅኢቱ ንምስማዕ ን23 ነሓሰ 2012 ዓ.ም ተለዋጢ ቆፀሮ ዝሃበ እንትኸውን፥ ዕለት 23 መዓልቲ ስራሕ ብዘይምዃኑ ቅድም ኢሉ ዕለት 22 ንክረአ ተለዋጢ ቆፀሮ ሂቡ።

ብኻሊእ መዳይ ጎንፂ ሕድ ሕድ ብምፍጣር ገበን ዝተጠርጠሩ ኣብ ክልተ መዝገብ ዝተኸፈሉ ብሓፈሻ 14 ተጠርጠርቲ፥ ዓቃቤ ሕጊ ከከምመዝገቦም ኣብ ውሽጢ 10ን 15ን መዓልታት ክሲ ንክምስረተሎም ትእዛዝ ተዋሂቡ።

ብታሪክ ኣዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.