Fana: At a Speed of Life!

ድሕሪ 389 ዓመት ዝተርኣየ ኣብ ምርኢት ተፈጥሮኣዊ ጥምረት ጁፒተርን ሳተርንን ዘድሃበ ፕሮግራም ሎሚ መዓልቲ ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍቢሲ)ድሕሪ 389 ዓመት ዝተርኣየ ኣብ ምርኢት ተፈጥሮኣዊ ጥምረት ጁፒተርን ሳተርንን ዘድሃበ ፕሮግራም ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ኢዩ።

ሎሚ መዓልቲ 12 ታሕሳስ 2013 ዓ.ም ዝረአ ተፈጥሮኣዊ ጥምረት ጁፒተርን ሳተርንን፥ ብቴሌስኮፕ ናይ ምርኣይን መደብን ብዛዕባ ሳይንስ ህዋ ግንዛበ መሃብን ተዳሊዩ ኣሎ፡፡

እቲ መደብ፥ ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ስፔስ ሳይንስ ኢትዮጵያ፣ ስፔስ ሶሳይቲ ሳይንስ ኢትዮጵያን ፕሮግራም ኣንድሮሜዳን ዘዳለዉዎ ኢዮም፡፡

ክልቲአን ዓለማት(ፕላኔታት) ብ0.1 ዲግሪ ተቐራሪበን ዝረኣያሉ ምርኢት ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

እዚ ተፈጥሮኣዊ ክስተት ንሕብረተሰብ ንምርኣይ ሎሚ መዓልቲ 12 ታሕሳስ 2013 ዓ.ም ካብ ሰዓት 11፡30 ክሳብ ምሸት ሰዓት 2፡00 ዝፀንሕ ፕሮግራም ኣብ ሆቴል ቤልቩ ተዳሊዩ ኣሎ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.