Fana: At a Speed of Life!

ድልየት ሸኔ ንምምካን ላዕለዎት ኣመራርሓ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ምስ ኣቦታት ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓዲን ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ድልየት ሸኔ ንምምካን ላዕለዎት ኣመራርሓ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ዞባ ምብራቕ ወለጋ ወረዳ ጊዳ ኣያና ከተማ ኣንገር ጉቴ ምስ ኣቦታት ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓዲን ተዛቲዮም።

እቲ ዘተ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ሰላም ንምርግጋፅ ዝዓለመ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

እቶም ጄኔራል መኮንናት፥ ህዝቢ ብስኑዕ ፕሮፓጋንዳ ከይረዓደ ሰላም ህዝብን ሃገርን ንምርግጋፅ ምስ ዝተሰለፈ ጅግና ሰራዊትና ብምዃን ሓድነቱ ኣጠናኺሩ ክቕፅል ኣለዎ ክብሉ ገሊፆም።

እዛ ሃገር ሰላም ክትከውን ዘይምነዩ ናይ ጥፍኣት ሓይሊታት ኣብ ለዕሊ ህዝቢ ከምድልየቶም ንክኾኑ ዕድል ኣይንህብን እውን ኢሎም።

ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ብግደኦም፥ ንሃገርና ሰላምን ድሕንነትን ንምሕላው ፀፅታ ከባቢና ምጥንኻርን ንሰራዊትና ደጀን ብምዃን ኢትዮጵያ ብዓወት ናብ ቀፃሊ ተውልዲ ምሽጋር ቀዳማይ ተግባርና ኮይኑ ክቕፅል ኢዩ ምባሎም ካብ ሰራዊት ምክልኻል ዝረከብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.